መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ሓይሊ
መጽሓፍ ቅዱስ ንሚልዮናት ሰባት፡ ህይወቶም ንኼመሓይሹ ሓይሊ ሂብዎም እዩ። ገለ ኻብቲ ኣብዚ ግዜና ንዘሎ ጸገማት ንኽንዋጽኣሉ ዚሕግዘና ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ መልሲ እዛ ሕቶ እዚኣ፡ ኣብታ ዘ ባይብል—ኢትስ ፓወር ኢን ዮር ላይፍ (መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ህይወትካ ዘለዎ ሓይሊ) ዘርእስታ ቪድዮ ኽትረኽቦ ትኽእል ኢኻ። እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ካብተን ሰለስተ ኽፋል እታ ዘ ባይብል—ኤ ቡክ ኦቭ ፋክት ኤንድ ፕሮፌሲ (መጽሓፍ ቅዱስ—መጽሓፍ ሓቅን ትንቢትን) ዘርእስታ ዲቪዲ፡ እታ ኻልአይቲ ኽፋል እያ። ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእልዶ፧
(1) መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ብሉጽ ስነ-ጽሑፍ ንላዕሊ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧ (እብ. 4:12) (2) መጽሓፍ ቅዱስ ንህይወት ሰባት ኬመሓይሽ ዚኽእል እንተ ዀይኑ፡ ስለምንታይ እዩ ንደቂ ሰብ ኣዝዩ ብዙሕ ጸገማት ዜጋጥሞም ዘሎ፧ (3) ፍረ ነገር መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ (4) ሰብ ሓዳር (ሀ) ዚገብርዎ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ንምምሕያሽ፡ (ለ) ሕርቃኖም ንምቍጽጻር፡ ዚሕግዝ ኣየናይ ጥቕስታት እዩ ተጠቒሱ፧ (5) ክርስትያናት ንሓዳር ዘለዎም ኣረኣእያ ንናብራ ስድራ ቤት ዜመሓይሾ ብኸመይ እዩ፧ (ኤፌ. 5:28, 29) (6) የሆዋ ንወለዲ ፍጹም ኣብነት ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧ (ማር. 1:9-11) (7) ወለዲ ንመጽናዕቲ ስድራ ቤት መሳጢ ኺገብርዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧ (8) ወለዲ ንውሉዳቶም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ዘይኰነስ፡ እንታይ ተወሳኺ ነገራት ኪገብሩሎም እዩ ቓል ኣምላኽ ዚድርኾም፧ (9) ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ምኽሪ ንስድራ ቤታት ብቝጠባዊ መዳይ ኪሕግዘን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (10) ብዛዕባ ጽሬትን ምውሳድ ሓሽሽን ምብዛሕ መስተን ውጥረትን ዚምልከት እንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ ስርዓታት እዩ ኣብ ግብሪ ምስ እነውዕሎ ጥዕናና ኽንሕሉ ዚሕግዘና፧ (11) እንታይ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ንኽንጸንዕ ዚሕግዘና፧ (እዮ. 33:25፣ መዝ. 145:16) (12) ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ትምህርትታት ኣብ ህይወትካ እንታይ ለውጢ ገይሩልካ፧ (13) ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ንኻልኦት ንምሕጋዝ ብኸመይ ክትጥቀመላ ትኽእል፧