ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብ ሰነ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር፡ ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ኵላትና፡ ኣባላት ስድራ ቤትና ወይ ገለ ኻብ ኣዕሩኽና ሞይቶምና እዮም። እንደገና ኽትረኽቦም ተስፋ ኣሎካዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ዜጸናንዕ ሓሳብ እሞ ኣቕልበሉ።” ነቲ ኣብ ናይ 1 ሰነ ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 16፡ ኣብ ትሕቲ እታ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዘሎ ሓሳባትን ንሓደ ኻብቲ ጥቕስታትን ኣንቢብካ ተመያየጠሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ነቲ ቐጺሉ ዘሎ ሕቶ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ መደብ ግበር።
1 ሰነ
“መብዛሕትና ድራር ዕለት ንምርካብ ላዕልን ታሕትን ንብል እኳ እንተ ዀንና፡ ድራር ዕለቶም ዘይረኽቡ ሰባት እውን ኣለዉ። ድኽነት ፈጺሙ ጠፊኡ እንርእየሉ ግዜስ ዚህሉዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ። ድሕሪኡ፡ መዝሙር 9:18 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ጠንቂ ድኽነት እንታይ ምዃኑን ብዛዕባ መፍትሒኡ ኸኣ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ከም ዚብልን ትሕብር።”
June
“ግብረ-ሽበራ፡ ዓለምለኻዊ ጸገም እዩ ዀይኑ ዘሎ። ጠንቁ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ሓሳባት ተስፋ ይህበና እዩ። [መዝሙር 72:7, 14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ገለ ኻብቲ ግብረ-ሽበራ ንኺፍጸም ዜለዓዕል ረቛሒታት እንታይ ምዃኑ ትሕብር፣ ግብረ-ሽበራ ብኸመይን መዓስን ከም ዜኽትም መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ሓሳባት ከኣ ትገልጽ።”