ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
ማቴዎስ 6፡9 ኣንብብ። ድሕሪኡ ኸምዚ ዚስዕብ በል፦ “ብመሰረት እዛ ጥቕሲ እዚኣ፡ ኣምላኽ ስም ኣለዎ። ንሕናኸ ስም ኣምላኽ ክንጥቀም ኣገዳሲ ዀይኑዶ ይስምዓካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ እንታይ ከም እትብል ኣስተውዕል።” ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ 1 ሰነ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብ ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ሰነ
“ንሓደ ኣገዳሲ ኣርእስቲ ዚምልከት ርእይቶኻ ኽሰምዕ ምደለኹ ነይረ። [ኣብ ገጽ 3 ገንጽል፡ ድሕሪኡ ነቲ ኣብኡ ዘሎ ነጥብታት ኣርእዮ።] ካብቲ ኣብዚ ተዘርዚሩ ዘሎ ነጥብታት፡ ምስቲ ንስኻ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘሎካ ርእይቶ ዚሰማማዕ ኣየናይ እዩ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ርእሱ እንታይ ከም ዚብል ርአ። [ሮሜ 15:4 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ዝዀነሉ ሓሙሽተ ምኽንያታት ትገልጽ፡ ንዓና ብኸመይ ከም ዚጠቕመና ድማ ትሕብር።”
Awake! June
“ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት፡ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ጽሬቱ ዘይተሓለወ ምግቢ ብምብላዕ ይሓምሙ እዮም። ንጽሬት እቲ ኣብ ማሕበረሰብና ዚርከብ ምግቢ ብዚምልከት እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ንስድራ ቤትና ኻብቲ ብሰንኪ እተበከለ ምግቢ ዚመጽእ ሕማማት ንኽንከላኸለሎም ዚሕግዝ ኣርባዕተ መገድታት ትገልጽ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን፡ ኵሎም ሰባት ኣኺሉ ዚተርፍ ጥዑይ ምግቢ ዚረኽቡሉ ተስፋታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።” መዝሙር 104:14, 15 ኣንብብ።