ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባታት
ኣብታ ወርሒ፡ ኣብ ቀዳመይቲ ቐዳም፡ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኸተጀምር ከምዚ ዚስዕብ ክትብል ትኽእል ኢኻ፦
“ሃይማኖት፡ ፍቕርን ሰላምን ከም ዜምጽእ ሓይሊ ጌርካ ዲኻ እትርእዮ ወይስ ጽልእን ዓመጽን ከም ዜምጽእ ሓይሊ፧ [መልሲ ተጸበ።] ነዚ ብዚምልከት እተወሰነ ኣገዳሲ ነጥብታት ከርእየካ።” ድሕሪኡ፡ ነቲ ብዓል ቤት ናይ ቀረባ እዋን ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ሃቦ፣ ነቲ ኣብ ገጽ 16 ኣብ ትሕቲ እቲ ናይ መጀመርታ ንኡስ ኣርእስቲ ዚርከብ ሓሳብ ከኣ ተመያየጡሉ። ነታ መጽሔት ኣበርክተሉ፣ ኣብ ዚቕጽል እዋን ተመሊስካ ነታ ስዒባ ዘላ ሕቶ ምእንቲ ኽትመያየጡላ ኸኣ ቈጸራ ግበር።
ግምቢ ዘብዐኛ 1 ግንቦት
“ብዙሓት ሰባት ሃይማኖት ኣብ ፖለቲካ ኢድ ከእቱ ጽቡቕ ከም ዝዀነ ይኣምኑ፡ ካልኦት ድማ ሃይማኖትን ፖለቲካን ክተሓዋወስ የብሉን ይብሉ። ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] ሰባት ንየሱስ ኣብቲ ሽዑ ዝነበረ ፖለቲካ ኢዱ ኼእቱ ምስ ደለይዎ፡ የሱስ እንታይ ከም ዝበለ ኣስተብህል። [ዮሃንስ 6:15 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ የሱስ ስለምንታይ ከምኡ ኢሉ ኸም ዝመለሰ ትገልጽ፣ ክርስትያናት ንማሕበረሰቦም ኪሕግዙሉ ዚኽእሉ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ምዃኑ ድማ ተብርህ።”
Awake! May
“ዳርጋ ዅሉ ዘዘራረብናዮ ሰብ ኣብ እተፈለለየ እዋናት ምጕዳል ፍትሒ ኣጋጢምዎ እዩ። ንምጕዳል ፍትሒ መፍትሒ ዚርከቦዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዚ ዚስዕብ ትንቢት፡ ብዛዕባ ሓደ ንምጕዳል ፍትሒ ኼጥፍእ ዚኽእል መራሒ እንታይ ከም ዚብል ኣስተብህል። [መዝሙር 72:14 ኣንብብ።] እዛ መጽሔት እዚኣ፡ ብዛዕባ እቲ ድሕሪ ሓጺር እዋን ዚህሉ መብጽዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ትገልጽ።”