ብእተኻእለካ መጠን ካብ የሆዋ ትመሃርዶ ኣሎኻ፧
1. የሆዋ ብዛዕባ ትምህርቲ እንታይ እዩ ዚስምዖ፧
1 እቲ ዓብዪ ‘መምህርና’ ዝዀነ የሆዋ፡ ክንመሃር ይደልየና እዩ። (ኢሳ. 30:20) ነቲ በዅሪ ወዱ ድሕሪ ምፍጣሩ ድማ እዩ ኺምህር ዝጀመረ። (ዮሃ. 8:28) ድሕሪ ዕልወት ኣዳም እውን ምስትምሃር ኣየቋረጸን፡ ኣብ ክንዳኡስ ብፍቕሪ ተደሪኹ ንዘይፍጹማት ሰባት ዚኸውን መምርሒ ሂቡ እዩ።—ኢሳ. 48:17, 18፣ 2 ጢሞ. 3:14, 15።
2. ሎሚ፡ እንታይ ትምህርታዊ ወፍሪ እዩ ዚካየድ ዘሎ፧
2 ሎሚ፡ የሆዋ ነቲ ኣብ ታሪኽ ዝዓበየ ትምህርታዊ ወፍሪ ይመርሖ ኣሎ። ከምቲ ብኢሳይያስ ብትንቢት እተነገረ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዚነብሩ ብሚልዮናት ዚቝጸሩ ሰባት ናብቲ ምሳልያዊ ‘ናይ ቤት የሆዋ ኸረን’ ይውሕዙ ኣለዉ። (ኢሳ. 2:2) ናብኡ ዚውሕዙ ዘለዉ ስለምንታይ እዮም፧ ብመገድታት ኣምላኽ ምእንቲ ኺመሃሩ፡ እወ፡ ብየሆዋ ምእንቲ ኺመሃሩ እዮም። (ኢሳ. 2:3) ናይ የሆዋ መሰኻኽር፡ ኣብ ኣገልግሎት ዓመት 2010 ንሰባት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ንኺምስክሩሎምን ንኺምህርዎምን ልዕሊ 1.6 ቢልዮን ሰዓታት ኣሕሊፎም እዮም። ብተወሳኺ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ ልዕሊ 105,000 ጉባኤታት መንፈሳዊ መምርሒ ይወሃብ እዩ፣ እቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዜዳልዎ ትምህርቲ ዚህብ ክርስትያናዊ ጽሑፋት ከኣ፡ ብልዕሊ 500 ቛንቋታት ይሕተም ኣሎ።
3. ካብቲ የሆዋ ዚህቦ ትምህርቲ ብብሕትኻ ብኸመይ ተጠቒምካ፧
3 ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም፦ ካብ መለኮታዊ ትምህርትስ ኣየ ኽንደይ ኰን ኢና ተጠቒምና! ኣምላኽ ስም ከም ዘለዎ፡ ብዛዕባና ኸኣ ከም ዚሓሊ ተማሂርና ኢና። (መዝ. 83:18፡ NW፣ 1 ጴጥ. 5:6, 7) ገለ ኻብቲ ኣብ ናብራ ህይወት ዚለዓል፡ ከም እኒ፡ ሰባት ዚሳቐዩን ዚሞቱን ስለምንታይ እዮም፧ ናይ ሓቂ ሓጐስ ክረክብ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧ ዕላማ ህይወት እንታይ እዩ፧ ዚብል ኣዝዩ ኣገዳሲ ሕቶታት፡ መልሱ እንታይ ምዃኑ ተማሂርና ኢና፧ ብዘይካዚ፡ የሆዋ፡ ‘መገድና ንኸነቕንዕ’ ዚሕግዘና ስነ ምግባራዊ መምርሒ ሂቡና እዩ።—እያ. 1:8።
4. ገለ ኻብቲ ንኣገልገልቲ ኣምላኽ ተኸፊቱሎም ዘሎ ናይ ትምህርቲ ኣጋጣሚታት እንታይ እዩ፧ ብእተኻእለና መጠን ካብ የሆዋ ኽንመሃር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
4 ብተወሳኺ፡ የሆዋ፡ ሓያሎ ኻብ ኣገልገልቱ ነቲ ንዕኡ ዜቕርብዎ ኣገልግሎት ንኼስፍሑ ምእንቲ ኺሕግዞም ኢሉ፡ ፍሉይ ስልጠና ኸም ዚረኽቡ ገይሩ እዩ። ገለ ኻብቲ ንገሊኦም ተኸፊቱሎም ዘሎ ኣጋጣሚታት፡ ኣብ ገጽ 4-6 ተዘርዚሩ ኣሎ። ንዅሉ እቲ ተዘርዚሩ ዘሎ ስልጠና ንምውሳድ ኵነታትና ዘይፈቕደልና እኳ እንተ ዀነ፡ ነቲ ዅነታትና ኺፈቕደልና ዚኽእል መለኮታዊ ትምህርቲኸ ምሉእ ብምሉእ ንጥቀመሉዶ ኣሎና፧ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብመምህራኖምን ብኻልኦት ሰባትን ዝለዓለ ትምህርቲ ንኺከታተሉ ጸቕጢ ዚግበረሎም መንእሰያት፡ መንፈሳዊ ሸቶ ንኺገብሩን ነቲ ጸብለልታ ዘለዎ መለኮታዊ ትምህርቲ ንኺከታተሉን ነተባብዖምዶ ኢና፧ ብእተኻለና መጠን ካብ የሆዋ እንተ ተማሂርና፡ ሕጂ ዜሐጕስ ህይወት ይህልወና፡ ኣብ ዚመጽእ ከኣ ዘለኣለማዊ ህይወት ንረክብ።—መዝ. 119:105፣ ዮሃ. 17:3።
ገለ ኻብቲ ብውድብ የሆዋ እተዳለወ ትምህርቲ ዚወሃበሉ ኣጋጣሚታት
ንምንባብን ምጽሓፍን ዚኸውን ትምህርቲ
• ዕላማ፦ ሰባት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምእንቲ ኺገብሩ ኸምኡውን ንኻልኦት ሓቂ ምእንቲ ኺምሃሩ፡ ምንባብን ምጽሓፍን ንምምሃር።
• ንውሓት ግዜ፦ ከከም ኣድላይነቱ።
• ቦታ፦ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።
• ኪካፈል ዚኽእል፦ ኵሎም ኣስፋሕትን ተገደስትን።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ ሽማግለታት ጉባኤ ንኸባቢኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ንምንባብን ምጽሓፍን ዚኸውን ትምህርቲ ይውድቡ፡ ንዅሎም እቶም ኪጥቀሙ ዚኽእሉ ንኺካፈሉ ድማ የተባብዕዎም።
ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት
• ዕላማ፦ ኣስፋሕቲ፡ ውጽኢታውያን ሰበኽትን መምህራንን እቲ ብስራት ምእንቲ ኪዀኑ ንምስልጣን።
• ንውሓት ግዜ፦ ቀጻሊ።
• ቦታ፦ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።
• ኪምዝገብ ዚኽእል፦ ኵሎም ኣስፋሕቲ። ብተወሳኺ፡ ኣዘውቲሮም ኣብታ ጉባኤ ዚመጹ፡ ምስ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማምዑ፡ ምስ ክርስትያናዊ ስርዓታት ከኣ ተሰማሚዖም ዚነብሩ ሰባት።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ ንሓላው ቤት ትምህርቲ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ተዛረቦ።
ትምህርቲ ቛንቋ ወጻኢ
• ዕላማ፦ ንኣስፋሕቲ ብኻልእ ቋንቋ ብኸመይ ከም ዚሰብኩ ንምምሃር።
• ንውሓት ግዜ፦ ኣርባዕተ ወይ ሓሙሽተ ወርሒ። እቲ ትምህርቲ መብዛሕትኡ ግዜ ቐዳም ንግሆ፡ ንሓደ ወይ ክልተ ሰዓት እዩ ዚወሃብ።
• ቦታ፦ ብሓፈሻ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።
• ኪምዝገብ ዚኽእል፦ ብቛንቋ ወጻኢ ኺሰብኩ ዚደልዩ ጽቡቕ መንፈሳዊ ዅነታት ዘለዎም ኣስፋሕቲ።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ እዚ ትምህርቲ እዚ፡ ከከም ኣድላይነቱ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እዩ ዚምደብ።
ህንጸት ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
• ዕላማ፦ ኣዳራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ንምህናጽን ንምሕዳስን። እዚ፡ ቤት ትምህርቲ እኳ እንተ ዘይኰነ፡ ኣብ ትሕቲ እዚ መሰናድዎ እዚ እተሓቝፉ ወለንተኛታት፡ ኣብ ፕሮጀክትታት ህንጸት ምእንቲ ኺሕግዙ እተፈላለየ ኽእለት ይመሃሩ እዮም።
• ንውሓት ግዜ፦ ከከም ኵነታት እቲ ወለንተኛ።
• ቦታ፦ ኮሚተ ኸባብያዊ ህንጸት ኣብ እተመደበሉ ዘበለ ቦታ። ገሊኣቶም ወለንተኛታት ብባህርያዊ ዕንወት ኣብ እተተንከፈ ርሑቕ ቦታ፡ ኣብ ዕዮ ረዲኤት ንኺሕግዙ ኺዕደሙ ይኽእሉ እዮም።
• ብቕዓት፦ እተጠምቁ፡ ብኣካል ሽማግለታት ተቐባልነት ዝረኸቡ ኪዀኑ ኣለዎም። ክእለት ዘለዎም ወይ ዘይብሎም ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ ካብ ሽማግለታት ጉባኤ ተቐቢልካ፡ መመልከቲ ወለንተኛ ሰራሕተኛ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ (S-82) ዚበሃል ፎርም ምላእ።
ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ
• ዕላማ፦ ንፈለምቲ፡ ‘ኣገልግሎቶም ኪምልኡ’ ንምሕጋዝ።—2 ጢሞ. 4:5።
• ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ሰሙን።
• ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዘሎ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ።
• ብቕዓት፦ እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ስሩዓት ፈለምቲ ዀይኖም ዘገልገሉ።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ፈለምቲ ብኡንብኡ ይምዝገቡ፡ ብሓላው ወረዳኦም ከኣ ይሕበሮም።
ቤት ትምህርቲ ኣተውቲ ቤትኤል
• ዕላማ፦ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ንሓደስቲ ቤትኤላውያን፡ ኣብቲ ናይ ቤትኤል ኣገልግሎቶም ውጽኢታውያን ምእንቲ ኪዀኑ ንኺሕግዞም እተዳለወ እዩ።
• ንውሓት ግዜ፦ ኣብ ሰሙን ሓንቲ ሰዓት፡ ዓሰርተ ሽዱሽተ ሰሙን።
• ቦታ፦ ቤትኤል።
• ብቕዓት፦ ነበርቲ ኣባላት ስድራ ቤትኤል ወይ ናይ ነዊሕ ግዜ ግዝያውያን ወለንተኛታት (ዓመት ወይ ዝያዳ)።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ኣባላት ስድራ ቤትኤል ብኡንብኡ ይምዝገቡ።
ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ
• ዕላማ፦ ንሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ነቲ መጓሰ ምእንቲ ኺሕልዉን ውድባዊ ሓላፍነቶም ምእንቲ ኺስከሙን ንምስልጣን። (ግብ. 20:28) እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣመሓዳሪ ኣካል ምስ ወሰነ፡ ሒደት ዓመታት ጸጸኒሑ ይወሃብ።
• ንውሓት ግዜ፦ ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ንሽማግለታት ሓደ መዓልትን ፈረቓን፡ ንኣገልገልቲ ጉባኤ ኸኣ ሓደ መዓልቲ እዩ ተገይሩ።
• ቦታ፦ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።
• ብቕዓት፦ ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ኪዀኑ ኣለዎም።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ብሓላው ወረዳ ይዕደሙ።
ንሽማግለታት ጉባኤ ዚኸውን ቤት ትምህርቲa
• ዕላማ፦ ንሽማግለታት ነቲ ናይ ጉባኤ ሓላፍነቶም ንኺዋጽኡሉ ንምሕጋዝ።
• ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ መዓልቲ።
• ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።
• ብቕዓት፦ ሽማግለታት ኪዀኑ ኣለዎም።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ሽማግለታት ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።
ንገየሽቲ ሓለውትን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲb
• ዕላማ፦ ሓለውቲ ወረዳን ሓለውቲ ኣውራጃን ንጉባኤታት ኣብ ዚገብርዎ ኣገልግሎቶም ዝያዳ ውጽኢታውያን ኪዀኑን ‘ብቓልን ብምህሮን ኪጽዕሩን’ ነቶም ብሕድሪ እተዋህብዎም ኪጓስዩን ንምሕጋዝ።—1 ጢሞ. 5:17፣ 1 ጴጥ. 5:2, 3።
• ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።
• ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚውሰን።
• ብቕዓት፦ ሓለውቲ ወረዳ ወይ ሓለውቲ ኣውራጃ ኪዀኑ ኣለዎም።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ገየሽቲ ሓለውትን ኣንስቶምን ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ይዕደሙ።
ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስc
• ዕላማ፦ ዘይተመርዓዉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ጉባኤን ተወሳኺ ሓላፍነታት ንኺስከሙ ንምድላው። መብዛሕትኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዚርከብ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ ይምደቡ። ሒደት ካባታቶም ከኣ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደኣ ኣፍሊጦም፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም።
• ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።
• ቦታ፦ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ዚውሰን፣ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብቲ ኸባቢ ኣብ ዚርከብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ወይ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ።
• ብቕዓት፦ ካብ 23 ክሳዕ 62 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ቦታ ኸይዶም ንኣሕዋቶምን ንረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽን ኬገልግሉ ዚደልዩ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ ንጽል ኣሕዋት። (ማር. 10:29, 30) እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ተሸይሞም ዜገልግሉ ዘለዉ ኪዀኑ ኣለዎም።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ክሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ኣብ ኣኼባ ወረዳ፡ ነቶም ኪምዝገቡ ዚደልዩ ዚኸውን ኣኼባ ይግበር እዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ይወሃብ እዩ።
ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስd
• ዕላማ፦ ሰብ ሓዳር፡ ንየሆዋን ንውድቡን ብዝበለጸ ንኼገልግሉ ዜኽእሎም ፍሉይ ስልጠና ንምሃብ። መብዛሕትኦም ተመረቕቲ፡ ኣብ ሃገሮም ኣብ ዚርከብ ዝያዳ ኣስፋሕቲ ዜድልዩሉ ኸባቢ እዮም ዚምደቡ። ሒደት ካባታቶም ከኣ፡ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዶም ኬገልግሉ ፍቓደኛታት ምዃኖም ንቤት ጽሕፈት ጨንፈር እንተ ደኣ ኣፍሊጦም፡ ኣብ ካልእ ሃገር ኪምደቡ ይኽእሉ እዮም።
• ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።
• ቦታ፦ እቲ ናይ መጀመርታ ሒደት ክፍልታት ኣብቲ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ ይካየድ ኣሎ። ቀጺሉ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብቲ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር እተወሰነ ቦታታት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣዳራሽ ዓብዪ ኣኼባ ወይ ኣብ ኣዳራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ኪካየድ እዩ።
• ብቕዓት፦ ካብ 25 ክሳዕ 50 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ፡ ኣብቲ ዜድልየሉ ቦታ ኸይዶም ኬገልግሉ ዚኽእሉ፡ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ፡ “እኔኹ ልአኸኒ” ድማ ኪብሉ ዚኽእሉ ሰብ ሓዳር። (ኢሳ. 6:8) ብተወሳኺ፡ ካብ ዚምርዓዉ እንተ ወሓደ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እሞ ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝጸንሑ ኪዀኑ ኣለዎም።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ክሊ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ እንተ ደኣ ኣልዩ፡ ኣብ መዓልቲ ፍሉይ ኣኼባ፡ ነቶም ኪምዝገቡ ዚደልዩ ዚኸውን ኣኼባ ይግበር እዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ይወሃብ እዩ።
ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ
• ዕላማ፦ ንፈለምትን ንኻልኦት ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልገልትን ንሚስዮናውነት ንምስልጣን።
• ንውሓት ግዜ፦ ሓሙሽተ ወርሒ።
• ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።
• ብቕዓት፦ መጀመርታ ኼመልክቱ ኸለዉ ኻብ ዚጥመቑ 3 ዓመት ዝገበሩ፡ ካብ 21 ክሳዕ 38 ኣብ ዘሎ ኽሊ ዕድመ ዚርከቡ ሰብ ሓዳር። እንግሊዝኛ ኺዛረቡ ዚኽእሉ፡ ካብ ዚምርዓዉ እንተ ወሓደ ኽልተ ዓመት ዝገበሩ፡ ከምኡውን ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ዘለዉ እሞ ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ ወሓደ ንኽልተ ተኸታታሊ ዓመታት ዝጸንሑ ኪዀኑ ኣለዎም። እቶም ዜመልክቱ ኣብ ጽቡቕ ኵነታት ጥዕና ዚርከቡ ኪዀኑ ኣለዎም። ኣብ ወጻእ ሃገር ከይዶም ዜገልግሉ ፈለምቲ (እንተላይ እቶም ከም ሚስዮናውያን ተቘጺሮም ዜገልግሉ ዘለዉ)፡ ገየሽቲ ሓለውቲ፡ ኣባላት ስድራ ቤትኤል፡ ከምኡውን ካብ ቤት ትምህርቲ መሰልጠኒ ኣገልገልትን ካብቲ ንንጽል ኣሕዋት ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን ካብቲ ንክርስትያን ሰብ ሓዳር ዚኸውን ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስን እተመረቑ ተመሃሮ ነቲ ብቕዓት ዜማልኡ እንተ ዀይኖም ኬመልክቱ ይኽእሉ እዮም።
• ብኸመይ ከም እተመልክት፦ ኣብ እተመርጻ ኣብያተ ጽሕፈት ጨንፈር፡ ኣብ ኣኼባ ኣውራጃ ነቶም ኣብዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ኺካፈሉ ዚደልዩ ሰባት ኣኼባ ይግበረሎም እዩ። ኣብዚ ኣኼባ እዚ ተወሳኺ ሓበሬታ ይወሃብ እዩ። ኣብ ሃገርካ ኣብ ዚግበር ኣኼባታት ኣውራጃ፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣኼባ እንተ ዘየልዩ፡ ግናኸ ኸተመልክት እንተ ደሊኻ፡ ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ናብ ቤት ጽሕፈት ጨንፈርካ ኽትጽሕፍ ትኽእል ኢኻ።
ንኣባላት ኮሚተ ጨንፈርን ንኣንስቶምን ዚኸውን ቤት ትምህርቲ
• ዕላማ፦ ነቶም ኣብ ኮሚተታት ጨንፈር ዜገልግሉ፡ ንኣባይቲ ቤትኤል፡ ንጉባኤታት ዚትንክፍ ምስ ኣገልግሎት ዚተሓሓዝ ጕዳያት፡ ነቲ ኣብ ክሎም ዚርከብ ወረዳታትን ኣውራጃታትን፡ ከምኡውን ነቲ ምስ ትርጕምን ሕትመትን ምጕዕዓዝ ጽሑፋትን ዚተሓሓዝ ክፍልታት ኰነ ኻልእ እተፈላለየ ኽፍልታት ናይ ምክትታል ሓላፍነቶም ብግቡእ ንኼካይዱ ንምሕጋዝ።—ሉቃ. 12:48ለ።
• ንውሓት ግዜ፦ ክልተ ወርሒ።
• ቦታ፦ ኣብ ፓተርሰን፡ ኒው ዮርክ፡ ሕ.መ.ኣ. ዚርከብ ትምህርታዊ ማእከል ግምቢ ዘብዐኛ።
• ብቕዓት፦ ኣባል ኮሚተ ጨንፈር ወይ ኮሚተ ሃገር ወይ ከኣ ኣብ ዚመጽእ ኣባል ኪኸውን እተመደበ።
• ብኸመይ ከም እትምዝገብ፦ ብቑዓት ኣሕዋትን ኣንስቶምን ብኣማሓዳሪ ኣካል ይዕደሙ።
[እግረ-ጽሑፋት]
a ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣይኰነን ዚርከብ።
b ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣይኰነን ዚርከብ።
c ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣይኰነን ዚርከብ።
d ኣብዚ እዋን እዚ፡ እዚ ቤት ትምህርቲ እዚ፡ ኣብ ኵለን ሃገራት ኣይኰነን ዚርከብ።