ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/11 ገጽ 1
  • ዘርኢ ንኺበቍል፡ ኪሰቲ ኣለዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ዘርኢ ንኺበቍል፡ ኪሰቲ ኣለዎ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንዝረኸብካዮ ተገዳስነት መዝግቦ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ትባዕ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1997
  • ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ተመሊስካ ብጽሓዮም—መዓስ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2009
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
km 11/11 ገጽ 1

ዘርኢ ንኺበቍል፡ ኪሰቲ ኣለዎ

1. ንኺበቍል ማይ ኪሰቲ ዜድልዮ እንታይ እዩ፧

1 ኣብ ስፍራ ኣታኽልቲ እተዘርአ ዘርኢ ምእንቲ ኺበቍል፡ ማይ ኪሰቲ ኣለዎ። ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ልቢ እቶም ኣብ ክልና ዘለዉ ሰባት እተዘርአ ዘርኢ ሓቂ ንኺበቍል እውን ብምሳልያዊ መገዲ ማይ ኪሰቲ ኣለዎ። (1 ቈረ. 3:6) እቲ ዘርኢ ሱር ኣውጺኡ ምእንቲ ኺበቍልን ኪዓብን፡ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር፡ ብቓል ኣምላኽ ጌርና ማይ ከነስትዮ ይግባእ።

2. ንዚቕጽል ምብጻሕና ተገዳስነት ከነለዓዕል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

2 ሕቶ ኣበግስ፦ ንኣገልግሎት ዚኸውን ኣቀራርባ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ እትምልሶ ተገዳስነት ዜለዓዕል ሕቶ እውን ንምንታይ ዘይትዳሎ፧ ነቲ ሕቶ ኣብ መደምደምታ እቲ ናይ ፈለማ ዝርርብኩም ኣበግሶ፡ ተመሊስካ ንኽትመያየጠሉ ኸኣ ርግጽ መደብ ግበር። ሓያሎ ኣስፋሕቲ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኼጀምሩ ምእንቲ ኺሕግዞም፡ ካብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትብሃል መጽሓፍ፡ ገለ ሓሳባት ኪመርጹ ጠቓሚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም።

3. ኣብ ፈለማ ምብጻሕካ ተገዳስነት ዘለዎ ሰብ ምስ ረኸብካ፡ እንታይ ነጥብታት ኢኻ ኽትምዝግብ እትኽእል፧

3 መዝግብ፦ ዝርርብኩም ምስ ወዳእኩም፡ ከይደንጐኻ ስም እቲ ሰብን ኣድራሻኡን፡ ዕለትን ሰዓትን፡ እተዘራረብኩምሉ ነጥብታት፡ ከምኡውን ዘበርከትካሉ ጽሑፍ እንተ ኣልዩ መዝግቦ። ሃይማኖቱ እንታይ ምዃኑ ገሊጹዶ፧ ስድራ ቤት ኣለዎዶ፧ ብዛዕባ ዜገድሶ ነገራት ጠቒሱዶ፧ እዚ ሓበሬታ እዚ፡ ኣብ ዚቕጽል ክትምለሶ ኸለኻ፡ ዜገድሶ ሓሳባት ኣልዒልካ ንኽትመያየጥ ኪሕግዘካ እዩ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ንኽትምለስ እተቛጸርኩምሉ ዕለትን ነቲ ኣብ መወዳእታ ዘበገስካዮ ሕቶን ጽሓፎ።

4. ነቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ሰባት ከይተሓለልና ኽንከታተሎም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣይትተሓለል፦ ሰይጣን ነቲ ኣብ ልቢ ሰብ ‘እተዘርአ ቓል ንምውሳድ፡’ ብዘይ ዕረፍቲ ሕርድግ እዩ ዚብል። (ማር. 4:14, 15) ስለዚ፡ ምስ ተመለስካ፡ ነቲ ሰብ ኣብ ቤቱ እንተ ዘይረኺብካዮ፡ ተስፋ ኣይትቝረጽ። ደብዳበ ኽትልእከሉ ወይ መዘኻኸሪ ጽሒፍካ ብትሕቲ ማዕጾኡ ኸተስልዀሉ ምኸኣልካዶ፧ ሓንቲ ፈላሚት ንሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ኣፍ ደጌኣ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጀመረትላ። ይኹን እምበር፡ እንደገና ኣብ ቤታ ኽትረኽባ ስለ ዘይክኣለት ደብዳበ ልኣኸትላ። ድሕሪ ገለ ግዜያት ተመሊሳ ምስ ረኸበታ ግና፡ እታ ሰበይቲ በቲ እተገብረላ ብሕታዊ ሓልዮት ኣዝያ ኸም እተተንከፈት ገለጸት። ብምሳልያዊ መገዲ፡ ንዘርኢ ሓቂ፡ ማይ ምስ እነስትዮ፡ እቲ ዘርኢ ኺበቍልን ኺጥጥዕን ኪዓብን ከሎ ጥራይ ዘይኰነስ፡ “ገሊኡ ሰላሳ፡ ገሊኡ ስሳ ገሊኡውን ሚእቲ” ኺፈሪ ኸሎ እውን ብምርኣይ ክንሕጐስ ኢና።​—ማር. 4:20።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ