ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ —ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ኣንብር
ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ክንረክብ ከለና፡ ነቲ ዝዘራእናዮ ዘርኢ ሓቂ ማይ ምእንቲ ኸነስትዮ፡ እቲ ሰብ ኣብ ቤቱ ኣብ ዚህልወሉ እዋን ተመሊስና ኽንበጽሖ ንደሊ ኢና። (1 ቈረ. 3:6) እዚ ድማ መብዛሕትኡ ግዜ ቕድሚ ምኻድና፡ መዓስ ክንምለስ ከም ዘለና ፈሊጥና፡ ንተመላሊስካ ምብጻሕ መሰረት ከነንብር ኣሎና። ብተወሳኺ፡ ካልእ ግዜ ኣብ እንምለሰሉ እዋን እንመያየጠሉ ሕቶ ሓቲትና እንተ ኸድና ጽቡቕ እዩ። ከምዚ ምግባር እቲ ብዓል ቤት ነቲ ተመላሊስካ ምብጻሕ ብሃንቀውታ ኸም ዚጽበዮ ይገብር፣ መልሲ እታ ዝሓተትናዮ ሕቶ ኣብቲ ዝገደፍናሉ ሕታም ዚርከብ እንተ ዀይኑ ድማ፡ ነታ ሕታም ንኼንብባ ኺድረኽ ይኽእል እዩ። ነቲ ዚስዕብ ምይይጥ መሰረት ምንባር ተመሊስካ ንኽትመጽእ እውን ዝቐለለ እዩ ዚገብረልካ፣ ከመይሲ፡ ነቲ ምይይጥ ዚኸውን ርእሰ ነገር ኣቐዲሙ ስለ እተመርጸ፡ እቲ ብዓል ቤት እንታይ ከም ዚጽበ ይፈልጥ እዩ። እንደ ገና ምስ ረኸብናዮ፡ ነታ ኣብ ዝሓለፈ ምብጻሕና ዘልዓልናያ ሕቶ ንኽንምልሳ ኸም ዝመጻእና ኽንገልጸሉ ንኽእል ኢና፣ ድሕሪኡ ምይይጥና ንቕጽል።
ኣብዛ ወርሒ እዚኣ፡ ነዚ ፈትኖ፦
ንኣቀራርባኻ ኽተዳለወሉ ኸለኻ፡ ኣብ ዚቕጽል ተመላሊስካ ምብጻሕ ንእትምልሳ ሕቶ እውን ተዳሎ። ብዛዕባ እዚ ድማ ነቶም ምሳኻ ዜገልግሉ ኣስፋሕቲ ኣካፍሎም።