መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰምዓሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ
ኣገልገልቲ ኣምላኽ ንሙዚቃ ኻብ ኣምላኽ እተዋህቦም ክቡር ህያብ ገይሮም እዮም ዚርእይዎ። (ያእ. 1:17) ኣብ ሓያሎ ጉባኤታት፡ ኣኼባታት ቅድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውዳኡን ኣብ ዘሎ ግዜ፡ ብህዱእ ድምጺ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ይኽፈት እዩ። ቲኦክራስያዊ ሙዚቃ ንስምዒትና ኣህዲኡ ንኣኼባታትና የዳልወና እዩ። ብኣእምሮና ንኣምልኾ ኽንዳሎ ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ ካብ መጽሓፍ መዝሙር ሓድሽ ዜማ ኸፊትና ምስ እንሰምዕ፡ ምስቲ ዜማታት ንኽንፋለጥን ነቲ መዝሙር እቲ ብግቡኡ ንኽንዝምሮን ይሕግዘና እዩ። ደድሕሪ ኣኼባ ዚስማዕ ከምዚ ዝኣመሰለ ሙዚቃ፡ ኣብ ንሓድሕድና ኸም እንተባባዕ ዚገብር ጽቡቕ ሃዋህው ይፈጥር እዩ። ስለዚ እምበኣር፡ ኣካል ሽማግለታት፡ ኣኼባ ቕድሚ ምጅማሩን ድሕሪ ምውዳኡን ሲንግ ቱ ጂሆቫ—ፒያኖ ኣካምፓኒመንት (ንየሆዋ ዘምሩሉ—ብፒያኖ) ንኪኽፈት መሰናድዎ ኺገብሩ ይግባእ። እቲ ድምጺ ሚዛናውን ነቲ ኣብ ንሓድሕድና እንገብሮ ዝርርብ ዘይዕብልልን ኪኸውን ይግባእ።