መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ
1 መዝሙርን ሙዚቃን ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣሳፍን ኣሕዋቱን “ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ: . . . ንእኡ ዘምሩ: ቃንዩሉ: ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ” ኢሎም ዘመሩ። (1 ዜና 16:8, 9) ኣብዚ ግዜና ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድምጽና ዓው ኣቢልና ንየሆዋ ንዝምር ኢና። (ኤፌ. 5:19) እዝስ ንስሙ ኽንውድስ ዜኽእለና ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—መዝ. 69:30
2 ነቲ ኪንግደም ሜሎዲስ (ዜማታት መንግስቲ ኣምላኽ) ዚበሃል ብኦርኬስትራ እተዳለወ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስማዕ: ነእምሮና ብመንፈሳዊ ሓሳባት ኪመልኦ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ “ነቲ ዜማታት ክሰምዖ ኸለኹ: እቲ ቓላት እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዜቃልሕ። ሙዚቃ እናሰማዕኩ ብዛዕባ የሆዋ ኽሓስብ ዘኽኣለኒ ኸመይ ዝበለ ሰናይ መገዲ ዀን እዩ!” በለት።—ፊል. 4:8
3 ነዚ ሙዚቃ እዚ እትሰምዓሉ እዋን:- ኣብ ቤትና ኪንግደም ሜሎዲስ ምስማዕ: ኣብ ሰላም ስድራቤት ኣበርክቶ ዚገብር ባህ ዜብልን መንፈሳውን ሃዋሁ ንኺሰፍን የኽእል። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት “ነዚ [ሙዚቃ እዚ] ኣብ ቤትናን ኣብ ማኪናናን ብተደጋጋሚ ኢና እንውልዖ: እንተዀነ ግን ኣይሰልከየናን። መብዛሕትኡ ግዜ ኪንግደም ሜሎዲስ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምኻድ ክንዳሎ ወይ ናብ ዓብዪ ኣኼባ ኽንጐዓዝ ከለና ሰላማዊ ሃዋሁ ኸም ዚህልወና ይገብር” በሉ። ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ “ኣብ ገዛ እናዓየኹ ኺሰምዖ ኸለኹ: የሐጕሰኒ እዩ። እተሓጽበ ኽዳውንቲ እናዓጸፍኩ ሕጉስቲ ኪኸውን መን እሞ እዩ ዚሓስቦ፧ ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ ነዚ ሙዚቃ እዚ ኽውልዕ ሸቶ ኣሎኒ። እቲ ሙዚቃ ብሓቂ መንፈስካ ዜሐድስ እዩ! . . . ኵሉ እቲ መዝሙር ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልካ” በለት። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ ኽትሰምዓሉ እትኽእል እዋናት ኣሎዶ፧
4 መብዛሕትኡ ሎሚ ዚዳሎ ሙዚቃ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዜንጸባርቕ። ወለዲ ነቲ ኪንግደም ሜሎዲስ ብዚግባእ ብምጥቃም ንደቆም ፍቕሪ ጥዑይ ሙዚቃ ንኺሓድሮምን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኺዝምሩን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሓያሎ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ብዛዕባ እዚ ንየሆዋ ዜኽብርን መንፈስ ዜሐድስን ጥዑም መንፈሳዊ መዝሙራት ምፍላጥ የሐጕሶም እዩ።—መዝ. 47:1, 2, 6, 7