ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/04 ገጽ 1
  • መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሙዚቃ ንህይወተይ ከይቈጻጸሮ እንታይ ክገብር እኽእል፧
    መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ
  • ዝመርጾ ሙዚቃ የገድስ ድዩ፧
    መንእሰያት ዚሓትትዎ
  • ንኣምላኽ ዘሐጕስ ሙዚቃ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ክንሰምዓሉ እንኽእል ብሉጽ መገዲ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 5/04 ገጽ 1

መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ

1 መዝሙርን ሙዚቃን ኣገዳሲ ኽፋል ናይ ሓቂ ኣምልኾ እዩ። ኣብ ጥንታዊት እስራኤል ኣሳፍን ኣሕዋቱን “ንእግዚኣብሄር ኣመስግንዎ: . . . ንእኡ ዘምሩ: ቃንዩሉ: ብዛዕባ ዅሉ ተኣምራቱ ተዛራረቡ” ኢሎም ዘመሩ። (1 ዜና 16:8, 9) ኣብዚ ግዜና ኣብ ሰሙናዊ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ድምጽና ዓው ኣቢልና ንየሆዋ ንዝምር ኢና። (ኤፌ. 5:19) እዝስ ንስሙ ኽንውድስ ዜኽእለና ኸመይ ዝበለ ዜደንቕ ኣጋጣሚ ዀን እዩ!—መዝ. 69:30

2 ነቲ ኪንግደም ሜሎዲስ (ዜማታት መንግስቲ ኣምላኽ) ዚበሃል ብኦርኬስትራ እተዳለወ መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ምስማዕ: ነእምሮና ብመንፈሳዊ ሓሳባት ኪመልኦ ይኽእል እዩ። ሓንቲ ሓብቲ “ነቲ ዜማታት ክሰምዖ ኸለኹ: እቲ ቓላት እዩ ኣብ ኣእምሮይ ዜቃልሕ። ሙዚቃ እናሰማዕኩ ብዛዕባ የሆዋ ኽሓስብ ዘኽኣለኒ ኸመይ ዝበለ ሰናይ መገዲ ዀን እዩ!” በለት።—ፊል. 4:8

3 ነዚ ሙዚቃ እዚ እትሰምዓሉ እዋን:- ኣብ ቤትና ኪንግደም ሜሎዲስ ምስማዕ: ኣብ ሰላም ስድራቤት ኣበርክቶ ዚገብር ባህ ዜብልን መንፈሳውን ሃዋሁ ንኺሰፍን የኽእል። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት “ነዚ [ሙዚቃ እዚ] ኣብ ቤትናን ኣብ ማኪናናን ብተደጋጋሚ ኢና እንውልዖ: እንተዀነ ግን ኣይሰልከየናን። መብዛሕትኡ ግዜ ኪንግደም ሜሎዲስ ናብ ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምኻድ ክንዳሎ ወይ ናብ ዓብዪ ኣኼባ ኽንጐዓዝ ከለና ሰላማዊ ሃዋሁ ኸም ዚህልወና ይገብር” በሉ። ሓንቲ ሓብቲ ኸኣ “ኣብ ገዛ እናዓየኹ ኺሰምዖ ኸለኹ: የሐጕሰኒ እዩ። እተሓጽበ ኽዳውንቲ እናዓጸፍኩ ሕጉስቲ ኪኸውን መን እሞ እዩ ዚሓስቦ፧ ተስፋ ክቘርጽ ከለኹ ነዚ ሙዚቃ እዚ ኽውልዕ ሸቶ ኣሎኒ። እቲ ሙዚቃ ብሓቂ መንፈስካ ዜሐድስ እዩ! . . . ኵሉ እቲ መዝሙር ሓጐስ እዩ ዜምጽኣልካ” በለት። ነዚ ኸምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ ዜሐድስ ሙዚቃ ኽትሰምዓሉ እትኽእል እዋናት ኣሎዶ፧

4 መብዛሕትኡ ሎሚ ዚዳሎ ሙዚቃ መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ ዜንጸባርቕ። ወለዲ ነቲ ኪንግደም ሜሎዲስ ብዚግባእ ብምጥቃም ንደቆም ፍቕሪ ጥዑይ ሙዚቃ ንኺሓድሮምን ብውዕዉዕ ስምዒት ንኺዝምሩን ኪሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም። ሓያሎ ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስን ተገዳስነት ዘለዎም ሰባትን ብዛዕባ እዚ ንየሆዋ ዜኽብርን መንፈስ ዜሐድስን ጥዑም መንፈሳዊ መዝሙራት ምፍላጥ የሐጕሶም እዩ።—መዝ. 47:1, 2, 6, 7

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ