ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 1ይ ክፋል፦ ካብ ጸልማት ምውጻእ
ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብርሃን ምስ ሓቂ ኽተሓሓዝ ከሎ፡ ጸልማት ግና ምስ ሓሶት እዩ ዚተሓሓዝ። (መዝ. 43:3፣ ኢሳ. 5:20) ሰይጣን ንሄዋን ኣብ ዜስሓተሉ እዋን ናብ ዓለም ጸልማት ኣተኣታተወ፡ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ንደቂ ሰብ ናብ ድቕድቕ ጸልማት ደርበዮም። (ራእ. 12:9) እታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፈይዝ ኢን ኣክሽን ፓርት 1፡ ኣውት ኦቭ ዳርክነስ (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 1ይ ክፋል፦ ካብ ጸልማት ምውጻእ) ዘርእስታ ቪድዮ፡ መንፈሳዊ ብርሃን ካብ ጸልማት ብኸመይ ኪወጽእ ከም ዝጀመረ ትጽብጽብ። (ኢሳ. 60:1, 2) ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእልዶ፧
(1) ድሕሪ ሞት ሃዋርያት፡ ድቕድቕ ጸልማት እናሰፍሐ ዝኸደ ብኸመይ እዩ፧ (2) ኣብ መጀመርታ 1100ታት፡ ሰባት ኣብያተ ክርስትያናት እቲ ሓቂ ኸም ዘይምህራ ኼስተውዕሉ ዝሓገዞም ምዕባለታት እንታይ እዩ፧ (3) ብዛዕባ ሄንሪ ግሩውን ጆርጅ ስቶርዝን እንታይ እንፈልጦ ነገር ኣሎ፧ (4) ንቻርለስ ራስል እንታይ ኣብ ህይወቱ ዘጋጠሞ ፍጻመ እዩ ሓያል ጽልዋ ኣሕዲሩሉ፧ (5) ሓው ራስልን ኣቦኡን እተወሰኑ ፈተውቱን መጽሓፍ ቅዱስ ኬጽንዑ ኸለዉ ብኸመይ እዮም ዚመያየጡ ነይሮም፡ ኣብ ምንታይ ቅዱስ ጽሑፋዊ መደመደምታኸ እዮም በጺሖም፧ (6) እዛ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትገብር ጕጅለ፡ ምስ ኔልሰን ባርበር ክትሓብር ዝጀመረት ብኸመይ እያ፡ እንተ ዀነ ግና ንሓው ራስል ካብዛ ጕጀለ እዚኣ ኸም ዚፍለ ዝገበሮ ጕዳይ እንታይ እዩ ነይሩ፧ (7) ኣብ ሓምለ 1879 እንታይ መንፈሳዊ ብርሃን ዜብርህ ሓድሽ መዋእል እዩ ተጀሚሩ፧ (8) ድሕሪኡ፡ እቶም ቍጽሮም እናወሰኸ ዚኸይድ ዝነበረ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንምዝርጋሕ እንታይ ገበሩ፧ (9) ካብ 1914 ሓያሎ ዓመታት ኣቐዲሙ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብታ ዓመት እቲኣ እንታይ ከም ዜጋጥም እዮም ትጽቢት ገይሮም ነይሮም፧ (10) ድሕሪ ሞት ሓው ራስል፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ጸገማት እዩ ኣጋጢምዎም፧ (11) ሓው ራዘርፎርድን ብጾቱን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምስ ተፈትሑ፡ እቶም ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ገበሩ፧ (12) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ንውድብ የሆዋ ዘሎካ ሞሳ ኸም ዚዓቢ ዝገበረቶ ብኸመይ እያ፧ (13) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ መሰናኽላት እናሃለወ ኽነሱ፡ ብቕንኣት ምስባኽካ ንኽትቅጽል ቈራጽነትካ ዘደልደለትልካ ብኸመይ እያ፧ (14) ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ንኣዝማድና፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ከምኡውን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
እቶም ቀደም ዝነበሩ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስሲ፡ ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ውርሻ ዀን እዮም ሓዲጎምና። ንሳቶም ኣብዛ ብመንፈሳዊ መዳይ ኣብ ድቕድቕ ጸልማት ዘላ ዓለም፡ ተባዓትን ቀናኣትን ጸወርቲ ብርሃን እዮም ነይሮም። እምበኣር፡ ‘ከም ደቂ ብርሃን ኴንና ብምምልላስ’ ነቲ ሰናይ ኣብነቶም ንቕድሓዮ።—ኤፌ. 5:8።