ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 2ይ ክፋል፦ ብርሃን ይብራህ
ሓው ራዘርፎርድን ብጾቱን ብ1919 ካብ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምፍታሖም፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ዓብዪ ዕዮ ይጽበዮም ነበረ። ኣብታ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ፈይዝ ኢን ኣክሽን ፓርት 2፡ ለት ዘ ላይት ሻይን (ናይ የሆዋ መሰኻኽር—እምነት ብግብሪ፡ 2ይ ክፋል፦ ብርሃን ይብራህ) ዘርእስታ ቪድዮ ኸም እተገልጸ፡ ኣብቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ዓመታት፡ ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ሓያሎ ጸላእቲ ነበርዎም፡ ብዛዕባ ቅዱሳት ጽሑፋት ዝነበሮም ምርዳእ እናወሰኸ ይኸይድ ነበረ፡ እምነቶም ከኣ ተዀልዐት። (ምሳ. 4:18፣ ሚል. 3:1-3፣ ዮሃ. 15:20) ነዛ ቪድዮ እዚኣ ምስ ረኣኻያ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ክትምልሶ ትኽእልዶ፧
(1) ተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነቲ ብስራት ንምዝርጋሕ እንታይ ሜላታት እዮም ዚጥቀሙ ነይሮም፧ (2) ኣብቲ ብ1931 ብ1935 እተገብረ ዓበይቲ ኣኼባታት እንታይ ምልክታ እዩ እተነገረ፧ (3) እታ ናይ 1 ሕዳር 1939 ግምቢ ዘብዐኛ እንታይ ኣገዳሲ መልእኽቲ ሒዛ እያ ወጺኣ፧ (4) ሓው ራዘርፎርድ፡ ኣብ ማዲሰን ስኴር ጋርደን፡ “መንግስትን ሰላምን” ዘርእስቱ መደረ ኬቕርብ ከሎ እንታይ ከም ዘጋጠመ ግለጽ። (5) እቲ ሓው ኖር ዘቕረቦ፡ “ሰላም—ንሓዋሩ ኪቕጽል ይኽእል ድዩ፧” ዘርእስቱ መደረ፡ ኣገዳሲ ዝነበረ ስለምንታይ እዩ፧ (6) ብ1942፡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዕዮ ስብከቶም ንምስፋሕ እንታይ መደባት እዮም ገይሮም፧ (7) ገለ ኻብቲ ኣብ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካን ካናዳን ግሪኽን እትገብረ ሕጋዊ ቓልስታት ግለጽ። (8) ቤት ትምህርቲ ጊልዓድ፡ ዕዮ ስብከት ንኺሰፍሕ እንታይ ጽልዋ እዩ ገይሩ፧ (9) ብ1946 እንታይ ኣገዳሲ ዕዮ እዩ ጀሚሩ፧ ስለምንታይከ፧ (10) ናይ የሆዋ መሰኻኽር ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ዚሰማማዕ ኣካይዳ ምእንቲ ኺህልዎም እንታይ ስጕምትታት እዮም ወሲዶም፧ (11) ውድብ የሆዋ ምስ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተሰማሚዑ ምእንቲ ኺጐዓዝ፡ ገለ ኻብቲ ብ1970ታት እተገብረ ምምሕያሻት ግለጽ። (12) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ እዚ ውድብ እዚ ብሓቂ ውድብ የሆዋ ምዃኑ፡ የሆዋ ኸኣ ምሉእ ብምሉእ ኸም ዚቈጻጸሮ ንዘሎካ ምርዳእ ከም ዚዓቢ ዝገበረቶ ብኸመይ እያ፧ (13) እዛ ቪድዮ እዚኣ፡ መሰናኽላት እናሃለወ ኽነሱ፡ ብቕንኣት ምስባኽካ ንኽትቅጽል፡ ቈራጽነትካ ዘደልደለትልካ ብኸመይ እያ፧ (14) ነዛ ቪድዮ እዚኣ፡ ንኣዝማድና፡ ንተመሃሮ መጽሓፍ ቅዱስና፡ ከምኡውን ንኻልኦት ንምሕጋዝ ክንጥቀመላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ፡ ኣብ ታሪኽ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ሓድሽ ምዕራፍ ይውሰኽ እዩ። እቲ ጸብጻብ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኣገልግሎት እነርእዮ ጻዕሪ እንታይ እዩ ኺገልጽ፧ ልክዕ ከምቲ ኣሕዋትና ኣብ ዝሓለፈ ዝገበርዎ፡ ንሕና እውን ብቕንኣት ‘ብርሃንና ነብርህ።’—2 ቈረ. 4:6።