ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ሆሴእ
1. ንርእስኻ እንታይ ሕቶ ኢኻ ሓቲትካያ ኽትከውን እትኽእል፧
1 ‘ንየሆዋ እንታይ ዓይነት መስዋእቲ ኽገብር እየ ፍቓደኛ ዝኸውን፧’ ብዛዕባ እቲ ዓሚቝ ሕያውነትን ምሕረትን የሆዋ ኸተስተንትን ከለኻ፡ ንርእስኻ ነዛ ሕቶ እዚኣ ሓቲትካያ ኽትከውን ትኽእል ኢኻ። (መዝ. 103:2-4፣ 116:12) ዋላ እኳ መስዋእቲ ምግባር ዚሓትት እንተ ነበረ፡ ሆሴእ ነቲ የሆዋ ኺገብሮ ዝኣዘዞ ትእዛዝ፡ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ ፈጺምዎ። ንሆሴእ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2. ኣብ ዕዮ ስብከት ጸኒዕና ምእንቲ ኽንቅጽል፡ ነቲ ሰናይ ኣብነት ሆሴእ ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
2 ብእዋን ጸበባ ስበኽ፦ መልእኽቲ ሆሴእ ብቐንዱ፡ ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዳርጋ ኣቋሪጹሉ ዝነበረ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ መንግስቲ እስራኤል ዘተኰረ እዩ ነይሩ። ንጉስ የሮብዓም ዳግማይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ኽፉእ ገበረ፡ ነቲ የሮብዓም ቀዳማይ ዝጀመሮ ኣምልኾ ምራኽ ድማ ቀጸሎ። (2 ነገ. 14:23, 24) እቶም ስዒቦም ዝነገሱ ነገስታት እስራኤል እውን፡ ነቲ ብዓሰርተ ነገድ ዝቘመ መንግስቲ ናብ መንፈሳዊ ውድቀት መሪሖምዎ እዮም፣ ኣብ መወዳእታኡ ድማ ብ740 ቅ.ክ. ጠፍአ። ዋላ እኳ ናይ ሓሶት ኣምልኾ ሰፊኑ እንተ ነበረ፡ ሆሴእ ግና እንተ ወሓደ ን59 ዓመት ነብዪ ዀይኑ ብተኣማንነት ኣገልጊሉ እዩ። ንሕናኸ፡ ዋላ እውን ዘይምግዳስን ምጽራርን እናሃለወ ኽነሱ፡ በብዓመቱ ንኽንሰብኽ ቈሪጽና ዲና፧—2 ጢሞ. 4:2።
3. ህይወት ሆሴእ፡ ብምሳልያዊ መገዲ ምሕረት የሆዋ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
3 ኣብ ምሕረት የሆዋ ኣተኵር፦ የሆዋ ንሆሴእ፡ “ሰበይቲ ምንዝርና” ኺምርዖ ኣዘዞ። (ሆሴ. 1:2) ዋላ እኳ ጎሜር ሰበይቲ ሆሴእ ወዲ እንተ ወለደት፡ ጸኒሓ ግና ብምንዝርና ኽልተ ቘልዑ ወሊዳ እያ። ሆሴእ ንሰበይቱ ይቕረ ኺብለላ ፍቓደኛ ምዃኑ፡ ነቲ የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት እስራኤላውያን ምስ ተነስሑ ዘርኣዮ ብዙሕ ምሕረት ብምሳልያዊ መገዲ ዚገልጽ እዩ። (ሆሴ. 3:1፣ ሮሜ 9:22-26) ንዅሎም ዓይነት ሰባት ብዛዕባ ምሕረት የሆዋ ምእንቲ ኸነፍልጦም፡ ብሕታዊ ምርጫታትና መስዋእቲ ኽንገብር ፍቓደኛታት ዲና፧—1 ቈረ. 9:19-23።
4. ገለ ኻብቲ ንየሆዋ ኢልና ኽንገብሮ እንኽእል መስዋእቲ እንታይ እዩ፧
4 ገሊኦም ኣገልገልቲ የሆዋ፡ ንኣገልግሎት ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፍዩ፡ ብዙሕ ኣታዊ ዚርከቦ ስራሕ መስዋእቲ ገይሮም እዮም። ካልኦት ከኣ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ንኺስዕቡ፡ ንጽል ኰይኖም ወይ ከይወለዱ ኺነብሩ መሪጾም እዮም። ብዛዕባ ህይወት ሆሴእ ከነስተንትን ከለና፡ ‘ነቲ ንሱ ዝገበሮስ ፈጺመ ኽገብሮ ኣይክእልን እየ’ ኢልና ንሓስብ ንኸውን። ይኹን እምበር፡ ንጸጋ የሆዋ ዘሎና ሞሳ እናዓበየ ብዝኸደ መጠንን ብርታዐ ንኽንረክብ ኣብ መንፈስ ቅዱሱ ምስ እንውከልን፡ የሆዋ ልክዕ ከም ሆሴእ፡ ዘይክኣል ኰይኑ ዚስምዓና ነገራት ንኽንገብር ኪጥቀመልና ይኽእል ይኸውን።—ማቴ. 19:26፣ ፊል. 2:13።