መደብ 11 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
11 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 20ን ጸሎትን
□ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ፦
jl ትምህርቲ 5-7 (30 ደቒቕ)
□ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት፦
ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦ እብራውያን 1-8 (10 ደቒቕ)
ቍ. 1፦ እብራውያን 4:1-16 (4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ)
ቍ. 2፦ “እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ” ከም ዘላትና፡ ብኸመይ ከነርኢ ንኽእል፧—ያእ. 3:17, 18 (5 ደቒቕ)
ቍ. 3፦ የሱስ ከም ሓደ ገበነኛ ኣብ ጕንዲ ተሰቕለ—td 5ሀ (5 ደቒቕ)
□ ኣኼባ ኣገልግሎት፦
10 ደቒቕ፦ ሓገዝ ንዜድልዮም ሰባት ብኸመይ ክንድግፎም ንኽእል፧ ኣብ ናይ 15 ሕዳር 2013 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ፡ ኣብ ገጽ 8-9 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።
10 ደቒቕ፦ ኣብ እንሰብከሉ እዋን፡ ንጭንቀትና ብኸመይ ከነወግዶ ንኽእል። ኣብዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ፦ (1) ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ እንሰብከሉ እዋን እንተ ተጨኒቕና፡ ጸሎት ብኸመይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (2) ጽቡቕ ምድላው፡ ብዙሕ ንኸይንጭነቕ ኪሕግዘና ዚኽእል ስለምንታይ እዩ፧ (3) ምስ ሓለውቲ ወረዳ ኸነገልግል ከለና፡ ብዙሕ ንኸይንጭነቕ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ (4) ኣብ ኣገልግሎት ብዝያዳ ብእተኻፈልና መጠን፡ ጭንቀትና እናነከየ ዚኸይድ ስለምንታይ እዩ፧ (5) ጭንቀትካ ንኸተወግድ ዝሓገዘካ እንታይ እዩ፧
10 ደቒቕ፦ “ንነብያት ከም ኣርኣያ ጌርኩም ርኣይዎም—ሆሴእ።” ሕቶታትን መልስታትን።
መዝሙር 37ን ጸሎትን