‘ብእምነት ንኺጸንዑ’ ሓግዞም
በብዓመቱ ኻብ ርብዒ ሚልዮን ዚበዝሑ ሰባት ይጥመቑ ኣለዉ። እዚ ኸኣ የሆዋ ነቲ ዕዮ ምእካብ ክሳዕ ክንደይ ይባርኾ ኸም ዘሎ ስለ ዚሕብር፡ ነዚ ምርኣይና ኣዝዩ የሐጕሰና እዩ። (ዘዳ. 28:2) ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ተመሃራይ ንኺጥመቕ ምስ ሓገዞ፡ ካብኡ ንደሓር ነቲ መጽናዕቲ ኣቋሪጹ ንኻልኦት ናብ ምሕጋዝ እዩ ዚዛዙ። እቲ ተመሃራይ እውን እንተ ዀነ ንኣገልግሎት ዚኸውን ዝያዳ ግዜ ምእንቲ ኺውፊ፡ ነቲ መጽናዕቲ ኼቋርጾ እዩ ዚደሊ። ይኹን እምበር፡ እቶም ተመሃሮ ኣብ ሓቂ ጽቡቕ መሰረት ኪህልዎም ኣገዳሲ እዩ። ኣብ ክርስቶስ ‘ሱር ኪሰድዱን ብእምነት ኪጸንዑን’ ኬድልዮም እዩ። (ቈሎ. 2:6, 7፣ 2 ጢሞ. 3:12) ስለዚ፡ ሓደ ተመሃራይ ምስ ተጠምቀ፡ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር ከምኡውን “ፍቕሪ ኣምላኽ” ዚብሃላ መጻሕፍቲ ኽሳዕ ዚውድአን፡ ነቲ መጽናዕቲ ኼቋርጾ የብሉን።—ናይ ሚያዝያ 2011 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 2 ርአ።