ሳጹን ሕቶ
◼ ዕቤት ንዜርኢ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንኽንደይ ዚኣክል ግዜ ኢና መጽናዕቲ ኽንመርሓሉ ዘሎና፧
ዕቤት ንዜርኢ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ነተን መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ከምኡውን “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ” ዚበሃላ መጻሕፍቲ ኽሳዕ ዚውድአን መጽናዕቲ ኽንመርሓሉ ግቡእ እዩ። እቲ ተመሃራይ ነተን መጻሕፍቲ ቕድሚ ምውዳኡ እንተ ተጠመቐ እውን፡ ንኽልቲአን መጻሕፍቲ ኽሳዕ ዚውድአን መጽናዕቲ ኽንቅጽለሉ ኣሎና። ምስ ተጠመቐ እውን እንተ ዀነ፡ ሰዓትን ተመላሊስካ ምብጻሕን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስን ክንምዝግብ ንኽእል ኢና። ሓደ ኣስፋሒ ምሳና ሓቢሩ ኣብቲ መጽናዕቲ እንተ ተሳቲፉ፡ ንሱ እውን ሰዓት ኪምዝግብ ይኽእል እዩ።—ናይ መጋቢት 2009 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና፡ ኣብ ገጽ 2 ርአ።
ሓደስቲ ሰባት መጽናዕቲ ቕድሚ ምውዳኦም፡ ኣብ ሓቂ ጽቡቕ መሰረት ኪህልዎም ኣገዳሲ እዩ። ንዜጋጥሞም ፈተናታት ምእንቲ ኺዋጽኡሉ፡ ኣብ ክርስቶስ ‘ኪስረቱን’ ‘ብእምነት ኪጸንዑን’ የድልዮም። (ቈሎ. 2:6, 7፣ 2 ጢሞ. 3:12፣ 1 ጴጥ. 5:8, 9) ብተወሳኺ፡ ንኻልኦት ብውጽኢታዊ መገዲ ምእንቲ ኺምህሩ፡ “ፍልጠት ሓቂ” የድልዮም እዩ። (1 ጢሞ. 2:4) ንተመሃሮና ነተን ክልተ መጻሕፍቲ ኽሳዕ ዚውድኡ መጽናዕቲ ንገብረሎም እንተ ዄንና፡ ኣብታ “ናብ ህይወት እትወስድ” መገዲ ኣደልዲሎም ንኺረገጹ ኢና እንሕግዞም ዘሎና።—ማቴ. 7:14።
ሽማግለታት፡ ሓደ ሰብ ኪጥመቕ ከም ዚኽእል ቅድሚ ምውሳኖም፡ እቲ ተመሃራይ ነቲ መሰረታዊ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ብንጹር ከም እተረድኦን ምስቲ ትምህርትታት ተሰማሚዑ ይነብር ከም ዘሎን ኬረጋግጹ ይግባእ። ብፍላይ ነተን ክልተ መጻሕፍቲ ኣጽኒዑ ዘይወድአ ተመሃራይ ኪጥመቕ ምስ ዚደሊ፡ ሽማግለታት ብዝያዳ ኺጥንቀቑ ይግባእ። ሓደ ሰብ ንጥምቀት ዘይተዳለወ እንተ ደኣ ዀይኑ፡ ኣብ መጻኢ ንጥምቀት ምእንቲ ኺበቅዕ፡ ሽማግለታት ብሕታዊ ሓገዝ ከም ዚረክብ ኪገብሩ ኣለዎም።—ኣብታ ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ኣብ ገጽ 217-218 ርአ።
[ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ፍረ ሓሳብ]
ሓደስቲ ሰባት ኣብ ሓቂ ጽቡቕ መሰረት ኪህልዎም ኣገዳሲ እዩ