ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 7/14 ገጽ 2
  • የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ነቲ መስትያት ብግቡእ ተጠቐመሉ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2025
  • “ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ” ኣይትሕደጋ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2008
  • ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጥቀም ዚሕግዝ ሸውዓተ ነጥብታት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ጥቕሚ ርእስኻ ናይ ምስዋእ መንፈስ ዓቅብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2014
km 7/14 ገጽ 2

የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚርእየኒ፧

1. መጽሓፍ ቅዱስ ከም መስትያት ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧

1 ክንደይ ሳዕ ኢኻ መስትያት እትርኢ፧ መስትያት ቈላሕታ ንዜድልዮ መዳይ ሰብነትና ስለ ዜርእየና፡ መብዛሕትና በብመዓልቱ ኢና መስትያት እንርኢ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ምስ መስትያት ተመሳሲሉ ኣሎ። ቃል ኣምላኽ ምንባብ፡ ነቲ የሆዋ ዚርእዮ ነገር፡ ማለት ንልብና ንኽንርኢ የኽእለና። (1 ሳሙ. 16:7፣ ያእ. 1:22-24) ቃል ኣምላኽ፡ “ልቢ ዚሓስቦን ዚሕልኖን” ኪመሚ ይኽእል እዩ። (እብ. 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ምንባብናን ምስትንታንናን፡ ዕዉታት ወንጌላውያን ምእንቲ ኽንከውን፡ ከነመሓይሾ ዜድልየና መዳያት ንኽንርኢ ኺሕግዘና ይኽእል እዩ።—መዝ. 1:1-3።

2. መጽሓፍ ቅዱስ ርእስና ንኽንምርምር ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

2 ንመጽሓፍ ቅዱስ ከም መስትያት ተጠቐመሉ፦ እቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ዚገልጽ ጸብጻብ፡ የሆዋ እንታይ ባህርያት ከም ዚፈቱ ይምህረና እዩ። ንኣብነት፡ ዳዊት ንስም ኣምላኽ ቅንኣት ከም ዘለዎ ኣርእዩ እዩ። (1 ሳሙ. 17:45, 46) ኢሳይያስ ኣብ ኣጸጋሚ ኽሊ ተቢዑ ንኺሰብኽ ፍቓደኛ ዀይኑ እዩ። (ኢሳ. 6:8, 9) እታ የሱስ ንኣቦኡ ዝነበረቶ ፍቕሪ፡ ንኣገልግሎት ኣብ ክንዲ ኸም ከቢድ ጾር፡ ዕረፍትን ዕግበትን ከም ዜምጽእ ምንጪ ገይሩ ንኺርእዮ ደሪኻቶ እያ። (ዮሃ. 4:34) ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ክርስትያናት ብቕንኣት ሰቢኾም፡ ኣብ የሆዋ ተወኪሎም፡ ንኸይሕለሉ ድማ ቈሪጾም ነይሮም እዮም። (ግብ. 5:41, 42፣ 2 ቈረ. 4:1፣ 2 ጢሞ. 4:17) ብዛዕባ እዚ ኣብነታት እዚ ምስትንታንና፡ ቅዱስ ኣገልግሎትና ኣብ እነቕርበሉ መዳያት ምእንቲ ኸነመሓይሽ፡ ርእስና ንኽንምርምር ኪሕግዝና ይኽእል እዩ።

3. ዜድሊ ለውጢ ንምግባር ክንደናጐ ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧

3 ጕድለትካ ኣዐሪ፦ ኣብ መስትያት ርኢኻ ጕድለትካ ዘይተዕሪ እንተ ዄንካ፡ ኣብኡ ምርኣይካ ረብሓ የብሉን። ንርእስና ብሚዛናዊ መገዲ ምእንቲ ኽንርእያን ዜድሊ ምትዕርራይ ምእንቲ ኽንገብርን የሆዋ ንኺሕግዘና ኽንሓትቶ ንኽእል ኢና። (መዝ. 139:23, 24፣ ሉቃ. 11:13) ተሪፉ ዘሎ ግዜ ሓጺር ስለ ዝዀነን ህይወት ሰባት ኣብ ሓደጋ ስለ ዘሎን ዜድሊ ለውጢ ንምግባር ክንደናጐ የብልናን።—1 ቈረ. 7:29፣ 1 ጢሞ. 4:16።

4. እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚጥምት እሞ፡ ሓደ ነገር ምስ ኣስተብሃለ ዜዐሪ ሰብ እንታይ እዩ ዚረክብ፧

4 ካብ ግዳማዊ መልክዕ ሰብ ንላዕሊ ዝያዳ ዜገድስ፡ እቲ የሆዋ ኣምላኽ ዚርእዮ ውሽጣዊ መልክዕ እዩ። (1 ጴጥ. 3:3, 4) እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚጥምት እሞ፡ ሓደ ነገር ምስ ኣስተብሃለ ዜዐሪ ሰብ እንታይ እዩ ዚረክብ፧ ንሱ፡ “ግብሪ ዚገብር እምበር፡ ዚርስዕ ሰማዒ ኣይኰነን፣ ከምኡ ብምግባሩ ድማ ሕጉስ ኪኸውን እዩ።” (ያእ. 1:25) እወ፡ “ክብሪ የሆዋ ኸም መስትያት” ስለ እነንጸባርቕ፡ ሕጉሳትን ውጽኢታውያን ኣገልገልትን ኢና እንኸውን።—2 ቈረ. 3:18።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ