“መእተዊ ቓል ኣምላኽ” —ዝርርብ ንምጅማር ተጠቐመሉ
1. ንኣገልግሎት ዚኸውን እንታይ ሓድሽ ንዋት ኢና ተቐቢልና፧
1 እቲ እተኸለሰ ሕታም ትርጕም ሓዳስ ዓለም (እንግሊዝኛ)፡ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዚብል ኣብ መጀመርታ ገጻት ዚርከብ ክፋል ኣለዎ። ንኣገልግሎት ዚኸውን ኣቀራርባታት ክንዳሎ ኸለና፡ ነዚ ሓድሽ ንዋት እዚ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ እዚ ኽፋል እዚ፡ ልክዕ ከምቲ ኣብ መጽሓፍ ሪዝኒንግ ዘሎ፡ ንጥቕስታት ኣብ ትሕቲ እተፈላለየ ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ ስለ ዚኸፍሎ፡ ዝርርብ ንኸነጀምር ኣዝዩ ሓጋዚ ኪኸውን ይኽእል እዩ።
2. ነቲ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዚብል ክፋል፡ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
2 ንሕቶ 8 ብምምራጽ፡ ከምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ሓያሎ ሰባት፡ ‘ኣምላኽ ብመከራ ደቂ ሰብ ተሓታቲ ድዩ፧’ ዚብል ሕቶ ስለ ዜተሓሳስቦም ኢና ኣብዚ ኸባቢ ሕጽር ዝበለ ምብጻሕ እንገብር ዘለና። [ኣብ ገሊኡ ኽልታት ነቲ ብዓል ቤት ነታ ሕቶ ኸተርእዮ ዝያዳ ኣስላጢ እዩ።] ንስኻኸ እንታይ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዜዕግብ መልሲ ይህብ እዩ።” ንሓደ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብኡ እተጠቕሰ ጥቕስታት ብቐጥታ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣንቢብካ፡ ተመያየጡሉ። እቲ ብዓል ቤት ተገዳስነት እንተ ደኣ ኣርእዩ፡ ነቲ ኣብ መእተዊ ተዘርዚሩ ዘሎ 20 ሕቶታት ከተርእዮን ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ኪመያየጠሉ ዚደሊ ሕቶ ንኺመርጽ ክትሓትቶን ትኽእል ኢኻ። ወይ እውን ብዛዕባ እቲ እተመያየጥኩምሉ ርእሰ ነገር ዝያዳ ሓበሬታ ዘለዎ ሓደ ኻብቲ ንመጽናዕቲ እተዳለወ ጽሑፋትና ኸተበርክተሉ ትኽእል ኢኻ።
3. ነቲ “መእተዊ ቓል ኣምላኽ” ዚብል ክፋል፡ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ኽሊ ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧
3 ሕቶታት 4 ከምኡ እውን 13 ክሳዕ 17፡ ካብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዘለዎም ሰባት ኣብ ዚርከቡሉ ኽሊ ኽንሰብኽ ከለና ብፍላይ ሓገዝቲ ኪዀና ይኽእላ እየን። ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ ሕቶ 17 ዚርከብ ሓበሬታ ተጠቒምካ ኸምዚ ኽትብል ትኽእል ኢኻ፦ “ሓጺር ምብጻሕ ብምግባር ንስድራ ቤታት ኣብ ዚጠቅም ህዝባዊ ኣገልግሎት ኢና እንካፈል ዘለና። ሎሚ ስድራ ቤታት እተፈላለየ ብድሆታት የጋጥመን ከም ዘሎ ኣይትሰማምዓሉንዶ፧ [መልሲ ተጸበ።] ብዙሓት ሰብ ሓዳር፡ ‘እታ ሰበይቲ እውን ንሰብኣያ ብዙሕ ተኽብሮ’ ንዚብል ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ሓጋዚ ዀይኑ ረኺቦምዎ እዮም። [እዚ ሓሳባት ካብ ኤፌሶን 5:33 ከም እተወስደ ኽትጠቅስ ኣየድልን እዩ። ንሰበይቲ እንተ ደኣ ትዛረብ ኣለኻ፡ ኣብ ክንዳኡ ነቲ ኣብ ኤፌሶን 5:28 ዘሎ ቓላት ክትጠቅስ ትኽእል ኢኻ።] ነዚ ምኽሪ እዚ ምትግባሩ ንሓዳርካ ዚጠቅም ኰይኑዶ ይስምዓካ፧”
4. ምስ ሓደ ኻብ ክርስትና ወጻኢ ዝዀነ ሃይማኖት ዘለዎ ሰብ ድሕሪ ምዝርራብካ እንታይ ክትገብር ትኽእል፧
4 ኣብ መወዳእታ ዝርርብካ፡ ነቲ ምይይጥ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ንኽትቅጽሎ መደብ ግበር። ምናልባት እውን ኣብቲ እተጠቐምካሉ ሕቶ ንዘሎ ሓደ ኻልእ ጥቕሲ ንኽትዘራረቡሉ መደብ ክትገብር ትኽእል ኢኻ። ኣብቲ ምሹእ ዝበልካዮ ግዜ፡ ነቲ ብዓል ቤት እቲ ኸተካፍሎ ዝጸናሕካ ጥበብ ዝሓዘለ ቓላት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዝዀነ ሓብሮ። ኣብቲ ኣቐዲምኩም ዝገበርክምዎ ምይይጥን ኣብቲ እቲ ሰብ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ኣረኣእያን ተመርኲስካ፡ ኪስሕቦ ኸም ዚኽእል ዝገመትካዮ ጽሑፍ ኣበርክተሉ።—ኣብ ናይ ታሕሳስ 2013 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እትርከብ እታው ርአ።