ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 9/15 ገጽ 2
  • ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ
    ካብ መጽሓፍ ቅዱስ እትምሃሮ ትምህርቲ
  • ‘ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተማልአ መገዲ መስክር’
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • “ኣብ ልበይ ዝነበረ ባዶ ቦታ እያ መሊኣትለይ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ብርታዐ ትረክብ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2015
km 9/15 ገጽ 2

ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ

1. እታ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ብኸመይ እያ እትጠቕመና፧

1 እዛ ኢሚተይት ዘያር ፈይዝ (ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ) ዘርእስታ መጽሓፍ፡ ብዛዕባ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተመዝጊቦም ዚርከቡ 14 እሙናት ሰብኡት ኣንስትን ትምርምር። እቲ እዛ መጽሓፍ እተጻሕፈትሉ መገዲ፡ እዞም እሙናት ሰባት እዚኦም ንየሆዋ ኼገልግሉ ኸለዉ ብድሆታት ዘጋጠሞም ናይ ሓቂ ሰባት ከም ዝዀኑ ጌርና ንኽንርእዮም ይሕግዘና እዩ። ብዘይካዚ፡ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ሎሚ ኣብ ግብሪ ኸነውዕለሉ እንኽእል ካብቲ ጸብጻብ እንረኽቦ ትምህርቲ ትሕብረና።—እብ. 6:12።

2. ገለ ትሕዝቶ እታ ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ዘርእስታ መጽሓፍ ግለጽ።

2 ትሕዝቶ፦ እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ነፍሲ ወከፍ እቲ ናይ እምነት ሰብ መዓስን ኣበይን ይነብር ከም ዝነበረ፡ ንኽንፈልጥ ዚሕግዘና ሰሌዳ ግዜን ካርታታትን ዝሓዘት እያ። ብተወሳኺ፡ ነፍሲ ወከፍ ምዕራፍ ኣብቲ ጸብጻባት ከነስተንትንን ንዝረኸብናዮ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ንኸነውዕሎን ኪሕግዘና ዚኽእል፡ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ . . . ፡” ዚብል ትሕዝቶ ኣለዎ። ብዘይካዚ፡ ነቲ ጸብጻባት ኣብ ኣእምሮና ንኽንስእሎ ዚሕግዝ ማራኺ ዝዀነ ዝርዝር ነጥብታትን ብጥንቃቐ ምርምር እተገብረሉ ስእልታትን ዝሓዘ እዩ።

3. ካብ መጽናዕቲ እዛ ሕታም እዚኣ ምእንቲ ኽንጥቀም እንታይ ክንገብር ንኽእል፧

3 ካብዛ መጽሓፍ እዚኣ ብኸመይ ከም እትጥቀም፦ እታ ኣብ መእተዊ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እትርከብ ካብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከት ደብዳበ፡ በዚ ዚስዕብ ቃላት ገይራ ተተባብዓና፦ “ነቲ ፍጻመታት ብኣእምሮኹም ክትስእልዎ ጽዓሩ፡ ህያው ጌርኩም ርኣይዎም፡ እቶም ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተጠቕሱ ገጸ ባህርያት እተሰምዖም ስምዒት ይሰማዕኩም፡ እቲ ንሳቶም ዝረኣይዎ ንዓኻትኩም እውን ከም ዚርኣየኩም ግበሩ። ኣብ ህይወቶም ሓደ ነገር ምስ ኣጋጠሞም እንታይ ከም ዝገበሩ፡ ንስኻትኩም ኣብ ቦታኦም ኔርኩም እንተ ትዀኑ ድማ እንታይ ከም እትገብሩ ንምሕሳብ ፈትኑ።” ሓቂ እዩ፡ ንሓደ ነገር ኣብ ኣእምሮና ምስኣል ኪብሃል ከሎ፡ ብዛዕባ እቲ ጕዳይ ኣጋኒንና ኽንሓስብ ኣሎና ማለት ዘይኰነስ፡ ነቲ እቲ መንፈስ ዝነፈሶ ጸብጻብ ዚብሎ ኣብ ኣእምሮና ምስኣልን ነቶም ሰባት ዘጋጠሞም ኵነታት ክንርድኣሎም ምጽዓርን የጠቓልል። ከምዚ ምግባር ግዜን ምስትንታንን ይሓትት እዩ። (ነህ. 8:8) እዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኣብ እትውሰደሉ ጉባኤታት፡ እቲ ትምህርቲ ኣብ መንጎ ሓደ ምዕራፍ ዚጅምር እንተ ዀይኑ፡ እቲ ዚመርሕ ሓው ብዛዕባ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝነበረ ትምህርቲ ዚገልጽ፡ ካብ 30 ኽሳዕ 60 ኻልኢት ዚወስድ ክለሳ ብምቕራብ ኪጅምር ኣለዎ። እቲ ትምህርቲ “ነዚ ዚስዕብ ሕሰበሉ . . .” ዚብል ትሕዝቶ ዘይብሉ እንተ ዀይኑ፡ ከም መዛዘሚ ኽለሳ ሓንቲ ወይ ክልተ ሕቶ ኺሕተት ይከኣል እዩ።

4. ኣስኣሰር እምነቶም ስዓብ ንዘርእስታ መጽሓፍ ከነጽንዓ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

4 ኣብዛ ብእተፈላለየ መገድታት እምነትና ኸተጥፍእ ወይ ከተዳኽም እትደሊ ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። እዛ መጽሓፍ እዚኣ፡ ከምኡ እውን እቲ እዛ መጽሓፍ እዚኣ እተመስረተትሉ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዚወጽእ ተኸታታሊ ዓንቀጻት፡ እምነትና ንኽትድልድል ዚሕግዘና ኻብ የሆዋ እተዋህበና ህያብ እዩ። (ያእ. 1:17) ነዛ ሕታም እዚኣ፡ ኣብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ጉባኤ ኸነጽንዓ ኸለና፡ ብስሩዕ ብምእካብን ብእተኻእለ መጠን ጽቡቕ ተሳትፎ ብምግባርን ምሉእ ብምሉእ ንጠቐመላ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ