ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | እዮብ 11-15
እዮብ ኣብ ትንሳኤ ምትእምማን ነበሮ
እዮብ፡ ኣምላኽ ካብ ሞት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ይኣምን ነበረ
እዮብ፡ ኣምላኽ ካብ ሞት ኬተንስኦ ኸም ዚኽእል ዘለዎ ምትእምማን ንምግላጽ፡ ኦም፡—ምናልባት እውን ኦም ኣውልዕ ኪኸውን ይኽእል እዩ—ከም ምሳሌ ተጠቕመ
ኦም ኣውልዕ ሰራውሩ ኣስፊሑ ስለ ዚሰድድ፡ ጕንዱ ምስ ተቘርጸ እውን ከም ብሓድሽ ኪበቍል ይኽእል እዩ። እቲ ሱሩ ኽሳዕ ዘይተቘርጸ፡ እቲ ኦም ከም ብሓድሽ ኪጥጥዕ ይኽእል እዩ
እዋን ደርቂ ሓሊፉ ዝናም ኪዘንም ምስ ጀመረ፡ እቲ ነቒጹ ዝነበረ ጕርማጽ ኦም ኣውልዕ ካብ ሱሩ ኺጭብጭብ ይጅምር እዩ፣ እወ፡ “ከም ሓድሽ ተኽሊ ዀይኑ፡ ጨናፍር ይገብር” እዩ