ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 34-37
ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር
“ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ”
እኩያት ሰባት ዚረኽብዎ ግዝያዊ ኣሳልጦ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኬስግለካ ኣይተፍቅደሉ። ኣብ መንፈሳዊ በረኸታትን ሸቶታትን ኣተኵር
“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”
የሆዋ፡ ክትጠራጠር ከለኻ ወይ ድማ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ከም ዚድግፈካ ተኣማመን። እሙን ንኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ
ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ትሑዝ ኵን
“ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ”
ንየሆዋ ዝያዳ ኽትፈልጦ ሸቶኻ ብምግባር፡ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ንምስትንታንን ግዜ መድብ
“መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ”
የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጠመካ ጸገም ክትፈትሖ ኸም ዚሕግዘካ ምሉእ እምንቶ ይሃሉኻ
ምጽራርን መስጐጕትን ምክፋእን እናኣጋጠመካ እውን ሰናይ ኣካይዳ ይሃሉኻ
“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ”
ሓጐስካ ኼጥፍእን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኬበላሹን ዚኽእል ስጕምቲ ብታህዋኽ ኣይትውሰድ
“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”
ዓቕሊ ድለ፣ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዜጋጥመካ ዘይፍትሓውነት ክሳዕ ዜወግዶ ድማ ብትሕትና ተጸበ
ንኣመንቲ ብጾትካ ደግፎም፣ ነቶም እተጨነቑ ድማ ብተስፋ እታ ኣዝያ ቐሪባ ዘላ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣጸናንዓዮም
መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ከተምጽእ እያ