ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb16 ሰነ ገጽ 3
  • ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ብየሆዋ ተሓጐስ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • መወዳእታ ኪቐርብ ከሎ፡ ኣብ የሆዋ ተወከል
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ንኻልኦት ምእማን ሓጐስ የምጽእ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2003
  • ንኣሕዋትካ እመኖም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2016
mwb16 ሰነ ገጽ 3

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 34-37

ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር

“ብገበርቲ ኽፉእ ኣይትቕናእ”

37:1, 2

  • እኩያት ሰባት ዚረኽብዎ ግዝያዊ ኣሳልጦ ንየሆዋ ኻብ ምግልጋል ኬስግለካ ኣይተፍቅደሉ። ኣብ መንፈሳዊ በረኸታትን ሸቶታትን ኣተኵር

“ብየሆዋ ተኣመን፡ ሰናይ ከኣ ግበር”

37:3

  • የሆዋ፡ ክትጠራጠር ከለኻ ወይ ድማ ዜጨንቕ ኵነታት ኬጋጥመካ ኸሎ ከም ዚድግፈካ ተኣማመን። እሙን ንኽትከውን ኪሕግዘካ እዩ

  • ብስራት መንግስቲ ኣምላኽ ንኻልኦት ኣብ ምክፋል ትሑዝ ኵን

“ብየሆዋ ኣዝዩ ደስ ይበልካ”

37:4

  • ንየሆዋ ዝያዳ ኽትፈልጦ ሸቶኻ ብምግባር፡ ቃል ኣምላኽ ንምንባብን ንምስትንታንን ግዜ መድብ

“መገድኻ ንየሆዋ ኣማዕቍቦ”

37:5, 6

  • የሆዋ ንዝዀነ ይኹን ዜጋጠመካ ጸገም ክትፈትሖ ኸም ዚሕግዘካ ምሉእ እምንቶ ይሃሉኻ

  • ምጽራርን መስጐጕትን ምክፋእን እናኣጋጠመካ እውን ሰናይ ኣካይዳ ይሃሉኻ

“ኣብ ቅድሚ የሆዋ ስቕ በል፡ ብሃንቀውታ ተጸበዮ”

37:7-9

  • ሓጐስካ ኼጥፍእን ምስ የሆዋ ዘሎካ ርክብ ኬበላሹን ዚኽእል ስጕምቲ ብታህዋኽ ኣይትውሰድ

“ዓቃላት ግና ንምድሪ ኺርስተይዋ እዮም”

37:10, 11

  • ዓቕሊ ድለ፣ የሆዋ ንዅሉ እቲ ዜጋጥመካ ዘይፍትሓውነት ክሳዕ ዜወግዶ ድማ ብትሕትና ተጸበ

  • ንኣመንቲ ብጾትካ ደግፎም፣ ነቶም እተጨነቑ ድማ ብተስፋ እታ ኣዝያ ቐሪባ ዘላ ናይ ኣምላኽ ሓዳስ ዓለም ኣጸናንዓዮም

ኣእዳው ሓደ መልኣኽ ኣብ ልዕሊ ገነት ዝዀነት ምድሪ ይዝርግሓ

መሲሓዊት መንግስቲ ኣምላኽ ማእለያ ዘይብሉ በረኸት ከተምጽእ እያ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ