ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | መዝሙር 69-73
ህዝቢ የሆዋ ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ቕንኣት ኣለዎም
ንናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘሎና ቕንኣት ብንጹር ኪርአ ኣለዎ
ዳዊት ኣብ መላእ ህይወቱ ንየሆዋ ዘለዎ ቕንኣት ኣርኣየ
ዳዊት ንስም የሆዋ ንዚቀናቐን ወይ ንዚጸርፍ ዘበለ ኣይተጻወሮን
ብዕድመ ዝደፍኡ ክርስትያናት ንመንእሰያት፡ ቀናኣት ኪዀኑ ኺሕግዝዎም ይኽእሉ እዮም
ጸሓፊ እዛ መዝሙር እዚኣ፡—ምናልባት ዳዊት ኪኸውን ይኽእል እዩ—ንዚቕጽል ወለዶ ኼተባብዕ ባህጊ ኸም ዘለዎ ገለጸ
ወለድን ተመክሮ ዘለዎም ክርስትያናትን ንመንእሰያት ኬሰልጥኑ ይኽእሉ እዮም