ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ኢሳይያስ 24-28
የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖም
የሆዋ ልክዕ ከም ሓደ ለጋስ ተቐባሊ ጋሻ፡ ኣኺሉ ዚተርፍ መንፈሳዊ ምግቢ የቕርበልና።
‘የሆዋ ጐይታ ሰራዊት ንዅሎም ህዝብታት፡ ድግስ ገይሩሎም ኣሎ’
ብግዜ መጽሓፍ ቅዱስ፡ ሰባት ሓቢሮም ምምጋቦም፡ ኣብ መንጎኦም ሰላምን ምሕዝነትን ከም ዘሎ ይሕብር ነበረ
“ድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡ ድግስ ብሉጽ ወይኒ”
ድግስ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ፡ ድግስ ብሉጽ ወይኒ፡ የሆዋ ንዜዳልወልና ኣዝዩ ብሉጽ መንፈሳዊ ምግቢ የመልክት