ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w24 መስከረም ገጽ 32
  • ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • የሆዋ ንህዝቡ ይከናኸኖም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ካብ መሰናድዎታት የሆዋ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • መጽናዕቲ ዓስቢ ኣለዎ
    ካብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ተጠቐም
  • ኣብነት ነገስታት ስዓብ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2002
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
w24 መስከረም ገጽ 32

ምኽሪ መጽናዕቲ

ብኽፉት ኣእምሮ ኣጽንዕ

ንመጽናዕቲ ኽትዳሎ ኸለኻ፡ ‘እንታይ ክምሃር እየ ትጽቢት ገይረ ዘለኹ፧’ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን። እንተዀነ ግና፡ ትጽቢታትካ ነቲ የሆዋ ዚምህረካ ዘሎ ኸም ዘይተቕልበሉ ኸይገብረካ ተጠንቀቕ። ብኽፉት ኣእምሮ ኸተጽንዕ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

ጥበብ ኪውሃበካ ጸሊ። የሆዋ ሕጂ እንታይ ኪምህረካ ደልዩ ኸም ዘሎ ምእንቲ ኸተስተውዕል፡ ሓገዙ ለምን። (ያእ. 1:5) በቲ ቐደም እትፈልጦ ነገራት ጥራይ ኣይትዕገብ።—ምሳ. 3:5, 6።

ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎ ፍሉይ ሓይሊ ኣኽብሮት ይሃሉኻ። “ቃል ኣምላኽ ህያው . . . እዩ።” (እብ. 4:12) መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እነንብበሉ እዋን፡ እቲ “ህያው” ዝዀነ ቓል ኣምላኽ ብእተፈልየ መገዲ እዩ ዚጸልወና፣ ከምዚ ዚኸውን ግና ነቲ ኸነንብብ ከለና እንረኽቦ ትምህርቲ ብኽፉት ኣእምሮ እንተ ተቐቢልናዮ ጥራይ እዩ።

ኣብ መኣዲ የሆዋ ዚቐርብ ንዘበለ ዅሉ ኣማስወሉ። የሆዋ ዜዳልወልና መንፈሳዊ ምግቢ፡ “ኣንጕዕ ብዝመልኦ መዓዛታት ዘለዎ መኣዲ” እዩ። (ኢሳ. 25:6) ነቲ ዘይትፈትዎ ዚመስለካ ምግቢ እውን ከይተረፈ፡ ከይጥዓምካ ኣይትሕደጎ። ከምኡ እንተ ጌርካ፡ ካብቲ የሆዋ ዘዳለዎ ምግቢ ኽትጥቀም ጥራይ ዘይኰነስ ብሓቂ እውን ክትሕጐስ ኢኻ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ