ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ድጕዓ 1-5
ምጽባይ ክንጻወር ይሕግዘና
ኤርምያስ ከቢድ መከራ እናኣጋጠሞ ኽነሱ፡ ኣወንታዊ ኣረኣእያ ሒዙ ኺጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧
ኣምላኹ የሆዋ ናብቶም ዚንስሑ ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ‘ዚደንን፡’ ነቶም ኣብ ዜሕዝን ኵነታት ዝነበሩ ህዝቡ ድማ ልዕል ከም ዜብሎም ርግጸኛ እዩ ነይሩ
“ብንእስነቱ ኣርዑት ኪጸውር” ተማሂሩ እዩ። ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ንእስነቱ ንእምነቱ ዚፍትን ፈተናታት ምጽዋሩ፡ ጸኒሑ ንዜጋጥሞ ጸገማት ኪሰግሮ ይሕግዞ