ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w12 1/6 ገጽ 14
  • “ነፍስኻ . . . ናባይ ኣቢላ ደኒና አላ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ነፍስኻ . . . ናባይ ኣቢላ ደኒና አላ”
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • “ቃላተይ ኣብ ኣፍካ ኤንብር አሎኹ”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “እዚ ቓል እዚ ንገሮም”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • “ትም ኣይብልን”
    ብኤርምያስ ኣቢሉ እተዋህበና ቓል ኣምላኽ
  • ከም ኤርምያስ ተባዕ ኩን
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2012
w12 1/6 ገጽ 14

ንኣምላኽ ቅረቦ

“ነፍስኻ . . . ናባይ ኣቢላ ደኒና አላ”

ትሕትና ኣዝያ እትስሕብ ባህርይ እያ። መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ትሑታት ሰባት ኢና እንቐርብ። እቲ ዜሕዝን ግና፡ ኣብዛ ዘለናላ ዓለም፡ ብፍላይ እቶም ሓይሊ ወይ ስልጣን ዘለዎም ሰባት፡ ናይ ሓቂ ትሕትና የብሎምን። እቲ ኻብ ኵሉ ፍጥረት ንላዕሊ ሓያል ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽከ ትሑት ድዩ፧ ነተን ኣብ ድጕዓ ኤርምያስ 3:20, 21 ዚርከባ ቓላት ነብዪ ኤርምያስ እስከ ንመርምረን።—ኣንብብ።

ኤርምያስ ንድጕዓ ኤርምያስ ኣብ ዜሕዝን ክፋል ታሪኽ እስራኤል እዩ ጽሒፍዋ። እታ ዚፈትዋ ኸተማ የሩሳሌም ብባቢሎናውያን ክትጠፍእ ከላ ብዓይኑ ብምርኣዩ፡ ኣመና ጕህዩ ነበረ። እቲ ኣብ ከቢድ ጓሂ ዝነበረ ነብዪ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤላውያን ዝወረደ መለኮታዊ ፍርዲ ፍትሓዊ ምንባሩ ይፈልጥ ነይሩ እዩ። ኰይኑ ግና፡ ተስፋ ዘይብሉ ድዩ ነይሩ፧ የሆዋ ንእተነስሑ ሰባት ከም ዘይግደሰሎምን ካብ ጸበባኦም ከም ዘየናግፎምን ኰይኑዶ ተሰሚዕዎ፧ ኤርምያስ ንህዝቡ ወኪሉ እንታይ ከም ዝበለ እስከ ንርአ።

ብዙሓት ሰባት ብጓሂ ተዋሒጦም እኳ እንተ ነበሩ፡ ኤርምያስ ግና ተስፋ ነበሮ። “ነፍስኻa [ነፍሲ የሆዋ] ኸየባተኸት ትዝክሮ፡ ናባይ ኣቢላ ኸኣ ደኒና አላ” ኢሉ ናብ የሆዋ ጸለየ። (ፍቕዲ 20፡ NW) ኤርምያስ፡ የሆዋ ንዕኡ ዀነ ነቶም እተነስሑ ደቂ ዓዱ ኸም ዚዝክሮም ይፈልጥ ስለ ዝነበረ፡ ዜጠራጥሮ ነገር ኣይነበረን። እሞኸ እቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ እንታይ ገበረ፧—ራእይ 15:3።

ኤርምያስ፡ የሆዋ ናብቶም ብሓቂ ዚንስሑ ሰባት ብምሳልያዊ መገዲ ኸም ‘ዚደንን’ ርግጸኛ እዩ ነይሩ። ካልእ ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ ነታ ፍቕዲ፡ “ዘክር፡ ናባይ ከኣ ውረድ” ኢሉ ተርጒምዋ ኣሎ። እዘን ቃላት እዚኣተን፡ ንየሆዋ ኸም ለዋህ ኣምላኽ ጌርና ኸም እንርእዮ እየን ዚገብራና። እቲ “ኣብ ልዕሊ ዅሉ ምድሪ ልዑል” ዝዀነ የሆዋ፡ ብምሳልያዊ ኣዘራርባ ድንን ኢሉ ነቶም ኣብ ሕማቕ ኵነታት ዝነበሩ ኣምለኽቱ የልዕሎምን ስምረቱ ይህቦምን እዩ። (መዝሙር 83:18) ኤርምያስ ሳላ እዛ ተስፋ እዚኣ፡ ነቲ ዝጐሃየ ልቡ ዚጽግን ናይ ሓቂ ምጽንናዕ ኪረክብ ከኣለ። እዚ እሙን ነብዪ እዚ፡ የሆዋ ኣብ ግቡእ ግዜኡ ነቶም እተነስሑ ህዝቡ ኽሳዕ ዜድሕኖም፡ ተዓጊሱ ብተስፋ ኺጽበ ቘረጸ።—ፍቕዲ 21።

ቃላት ኤርምያስ ብዛዕባ የሆዋ ኽልተ ነገራት ይምህራና እየን። ቀዳማይ፡ የሆዋ ትሑት እዩ። (መዝሙር 18:35) ‘ብሓይሊ ብርቱዕ’ እኳ እንተ ዀነ፡ ኣብ እንጕህየሉ እዋን፡ ብምሳልያዊ መገዲ ናባና ኣቢሉ ብምድናን ይሕግዘና እዩ። (እዮብ 37:23፣ መዝሙር 113:5-7) እዝስ ዜጸናንዕ ሓሳብ ደይኰነን፧ ካልኣይ፡ የሆዋ መሓሪ እዩ፣ ነቶም ዚንስሑ ሓጥኣን ‘ይቕረ ኺብለሎም ድሉው እዩ፣’ ስምረቱ እውን ይህቦም እዩ። (መዝሙር 86:5) እዘን ክልተ ባህርያት እዚኣተን፡ ማለት ትሕትናን ምሕረትን ንሓድሕደን እተተሓሓዛ እየን።

የሆዋ ኸምቶም ብሰንኪ ትዕቢት ነቓጻትን ስምዒት ካልኦት ዘይርድኦምን ዝዀኑ ሰብኣውያን መራሕቲ ብዘይምዃኑ ኸነመስግን ኣሎና። ብዛዕባ እቲ ‘ድንን ኢሉ’ ነቶም ተስፋ ዝቘረጹ ኣምለኽቱ ተስፋ ዚህቦም ትሑት ኣምላኽ ብዝያዳ ኽትፈልጥ ኣይትድረኽንዶ፧

ንሰነ ዚኸውን ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፦

◼ ኤርምያስ 51–ህዝቅኤል 5

[እግረ-ጽሑፍ]

a ጥንታውያን ጸሓፍቲ ነዛ ፍቕዲ እዚኣ፡ “ነፍሰይ” ኢሎም ብምቕያር ንኤርምያስ ከም እተመልክት ገይሮምዋ እዮም። ንኣምላኽ በታ መጽሓፍ ቅዱስ ንምድራውያን ፍጡራት ንምምልካት ዚጥቀመላ “ነፍሲ” እትብል ቃል ጌርካ ምግላጽ፡ ኣኽብሮት ዝጐደሎ ዀይኑ ተሰሚዕዎም ኪኸውን ይኽእል እዩ። ይኹን እምበር፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንኣምላኽ በቲ ሰባት ኪርድእዎ ዚኽእሉ ቓላት ገይሩ ይገልጾ እዩ። እታ “ነፍሲ” እትብል ቃል ን“ህይወት” ስለ እተመልክት፡ “ነፍስኻ” ኺብል ከሎ፡ “ንስኻ” ማለት እዩ።

[ኣብ ገጽ 14 ዘሎ ስእሊ]

የሆዋ፡ ኣብ እንጕህየሉ እዋን፡ ብምሳልያዊ መገዲ ናባና ኣቢሉ ይደንን እዩ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ