ክርስትያናዊ ህይወት
ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—እምነት
ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
ንኣምላኽ ባህ ከተብሎ እምነት ኣድላዪት እያ። —እብ 11:6
ኣብ ተስፋታት ኣምላኽ እምነት ምሕዳር፡ ፈተናታት ክንጻወር ይሕግዘና።—1ጴጥ 1:6, 7
ጕድለት እምነት ናብ ሓጢኣት ኪመርሕ ይኽእል።—እብ 3:12, 13
እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧
ኣዘውቲርካ ምስ ሰብ እምነት ሕበር።—ሮሜ 1:11, 12
እምነተይን እምነት ስድራ ቤተይ ከደልድል ዝኽእል ብኸመይ እየ፧
ነታ ተኣማንነት ዚሃንጽ ዘበለ ስዓብ—እምነት ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦