ክርስትያናዊ ህይወት
ኵነታትካ ኪቕየር ከሎ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሕን ንጡፍን ኩን
ኣብዘን ዳሕሮት መዓልትታት፡ ኣብ ህይወትና ዜጋጥም ለውጢ ዘይተርፍ ነገር እዩ። (1ቈረ 7:31) ኣብ ህይወትና ዜጋጥመና፡ እተጸበናዮ ዀነ ዘይተጸበናዮ፡ ጽቡቕ ኰነ ኽፉእ ለውጢ፡ ንኣምልኾና ኺዘርጎ፡ ምስ የሆዋ ንዘሎና ርክብ ድማ ኬበላሽዎ ይኽእል እዩ። ለውጢ ኼጋጥመና ኸሎ፡ ብመንፈሳዊ መዳይ ንቑሓትን ንጡፋትን ኰይንና ኽንቅጽል እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ነታ ክትግዕዙ ኸለኹም፡ መንፈሳውነትኩም ሓልዉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ። ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ሓደ ሓው ንሓደ ኣቦ እንታይ ምኽሪ እዩ ሂብዎ፧
እቲ ኣብ ማቴዎስ 7:25 ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት፡ ኣብ ኵነታት እታ ስድራ ቤት ዝወዓለ ብኸመይ እዩ፧
እታ ስድራ ቤት ቅድሚ ምግዓዛ ውጥን ዘውጸአት ብኸመይ እያ፧ እዚኸ ንኣባላት እታ ስድራ ቤት ብኸመይ ሓጊዝዎም፧
ኣባላት እታ ስድራ ቤት ነታ ሓዳስ ጉባኤን ነቲ ሓድሽ ክልን ኪለምድዎ እንታይ ሓጊዝዎም፧
ኣብ ቀረባ ግዜ ዘጋጠመኒ ዓበይቲ ለውጥታት፦
ነቲ ኣብዛ ቪድዮ እዚኣ ዚርከብ መሰረታዊ ስርዓት ኣብ ህይወተይ ብኸመይ ክዓይየሉ እኽእል፧