ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 መጋቢት ገጽ 7
  • “ንቕሑ”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ንቕሑ”
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ክትነቅሕ’ ዲኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ብዛዕባ ንቕሓት እተዋህበ ትምህርቲ—ደናግል
    የሱስ—መገድን ሓቅን ህይወትን
  • ነቲ መጠንቀቕታ ተቕልበሉዶ ኣለኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2024
  • ‘እቲ እሙን ባርያ’ ብፈተና ይሓልፍ!
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2004
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 መጋቢት ገጽ 7
ኣብ ምሳልያዊ ዛንታ እተጠቕሳ ዓሰርተ ደናግል

ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 25

“ንቕሑ”

25:1-12

የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ብቐዳምነት ነቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ሰዓብቱ ዚምልከት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መሰረታዊ መልእኽቱ ግና ንዅሎም ክርስትያናት እዩ ዚውዕል። (w15 15/3 12-16) “ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።” (ማቴ 25:13) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኽትገልጾ ትኽእልዶ፧

  • መርዓዊ (ፍቕዲ 1)—የሱስ

  • ለባማት ዝዀና ድሉዋት ደናግል (ፍቕዲ 2)—ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኽሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ኪፍጽምዎ ድሉዋት ዝዀኑን ከም ብርሃናት ክሳዕ መወዳእታ ዜብርሁን ቅቡኣት ክርስትያናት (ፊል 2:15)

  • “እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ (ፍቕዲ 6)—የሱስ ኣብዚ ምህላዉ ዜርኢ መርትዖ

  • ዓያሹ ደናግል (ፍቕዲ 8)—መርዓዊ ኪቕበሉ ዚወጹ፡ ግናኸ ንቑሓት ዘይኰኑን ንጽህናኦም ዘይሓለዉን ቅቡኣት ክርስትያናት

  • እተን ዘይተን ኪህባ ፍቓደኛታት ዘይኰና ለባማት ደናግል (ፍቕዲ 9)—ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም፡ እቶም እሙናት ቅቡኣት ንዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ኺሕግዝዎ ኣይክእሉን

  • “እቲ መርዓዊ መጸ” (ፍቕዲ 10)—የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺፈርድ ይመጽእ

  • እተን ለባማት ደናግል ምስቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ (ፍቕዲ 10)—የሱስ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ናብ ሰማይ ይእክቦም፡ እቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኸቡ ግና ሰማያዊ ዓስቦም ይስእኑ

እቲ ምሳልያዊ ዛንታ መብዛሕትኦም ቅቡኣት ዘይእሙናት ከም ዚዀኑን ኪትክኡ ኸም ዜድልዮምን ኣይምህርን እዩ። የግዳስ፡ ነፍሲ ወከፍ ቅቡእ ክርስትያን ድሉውን ንቑሕን ኪኸውን ወይ ከኣ ዓሻን ዘይእሙንን ኪኸውን ምሉእ ተኽእሎ ኸም ዘለዎ እዩ ዜጠንቅቕ ነይሩ። የሱስ፡ “ድሉዋት ኩኑ” ኢሉ ተማሕጸነ። (ማቴ 24:44) ተስፋና ብዘየገድስ፡ የሱስ ኵላትና ብተኣማንነት ንእንፍጽሞ ዕዮ ልብና ኸነዳሉን ንቑሓት ክንከውንን እዩ ዚደልየና።

ንቑሕ ምዃነይ ከርኢ ዝኽእል ብኸመይ እየ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ