ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ማቴዎስ 25
“ንቕሑ”
የሱስ ብዛዕባ እተን ዓሰርተ ደናግል ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ብቐዳምነት ነቶም ቅቡኣት ዝዀኑ ሰዓብቱ ዚምልከት እኳ እንተ ዀነ፡ እቲ መሰረታዊ መልእኽቱ ግና ንዅሎም ክርስትያናት እዩ ዚውዕል። (w15 15/3 12-16) “ነታ መዓልቲ እቲኣ ወይስ ነታ ሰዓት እቲኣ ኣይትፈልጥዋን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።” (ማቴ 25:13) ነቲ የሱስ ዝሃቦ ምሳልያዊ ዛንታ ኽትገልጾ ትኽእልዶ፧
መርዓዊ (ፍቕዲ 1)—የሱስ
ለባማት ዝዀና ድሉዋት ደናግል (ፍቕዲ 2)—ነቲ እተዋህቦም ዕዮ ኽሳዕ መወዳእታ ብተኣማንነት ኪፍጽምዎ ድሉዋት ዝዀኑን ከም ብርሃናት ክሳዕ መወዳእታ ዜብርሁን ቅቡኣት ክርስትያናት (ፊል 2:15)
“እንሆ መርዓዊ!” ዚብል ዓው ዝበለ ድምጺ (ፍቕዲ 6)—የሱስ ኣብዚ ምህላዉ ዜርኢ መርትዖ
ዓያሹ ደናግል (ፍቕዲ 8)—መርዓዊ ኪቕበሉ ዚወጹ፡ ግናኸ ንቑሓት ዘይኰኑን ንጽህናኦም ዘይሓለዉን ቅቡኣት ክርስትያናት
እተን ዘይተን ኪህባ ፍቓደኛታት ዘይኰና ለባማት ደናግል (ፍቕዲ 9)—ድሕሪ እቲ ናይ መወዳእታ ምሕታም፡ እቶም እሙናት ቅቡኣት ንዝዀነ ይኹን ዘይእሙን ኰይኑ እተረኽበ ኺሕግዝዎ ኣይክእሉን
“እቲ መርዓዊ መጸ” (ፍቕዲ 10)—የሱስ ኣብ ኣጋ መወዳእታ እቲ ብርቱዕ ጸበባ ኺፈርድ ይመጽእ
እተን ለባማት ደናግል ምስቲ መርዓዊ ናብቲ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዓጽወ (ፍቕዲ 10)—የሱስ ነቶም እሙናት ቅቡኣት ናብ ሰማይ ይእክቦም፡ እቶም እሙናት ኰይኖም ዘይተረኸቡ ግና ሰማያዊ ዓስቦም ይስእኑ