ክርስትያናዊ ህይወት
ኣስኣሰር ክርስቶስ ስዓብ
የሱስ፡ ብፍላይ ፈተናታት ወይ መስጐጕቲ ኼጋጥመና ኸሎ ኽንስዕቦ ዘሎና ኣብነት ሓዲጉልና እዩ። (1ጴጥ 2:21-23) የሱስ ኪጽረፍን መከራ ኺወርዶን ከሎ እውን ከይተረፈ ሕነ ኣይፈደየን። (ማር 15:29-32) ኪጻወር ዝሓገዞ እንታይ እዩ፧ ፍቓድ የሆዋ ኺፍጽም ቈሪጹ ስለ ዝነበረ እዩ። (ዮሃ 6:38) ብዘይካዚ፡ ኣብቲ “ኣብ ቅድሚኡ ዘሎ ሓጐስ” ኣተኲሩ ነበረ።—እብ 12:2።
ብምኽንያት እምነትና ምስ እንግፋዕ፡ እንታይ ዓይነት ምላሽ ኢና ኽንህብ ዘሎና፧ ናይ ሓቂ ክርስትያናት፡ ‘ክፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይፈድዩን’ እዮም። (ሮሜ 12:14, 17) ነቲ ክርስቶስ መከራ እተጻወረሉ መገዲ እንተ ቐዲሕናዮ ኽንሕጐስ ንኽእል ኢና፣ ከመይሲ፡ ሞገስ ኣምላኽ ኣሎና።—ማቴ 5:10-12፣ 1ጴጥ 4:12-14።
ነታ ስም የሆዋ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ሓብትና ገርትሩት ፖይትሲንገር ንበይና ኣብ ሓንቲ ኽፍሊ ተኣሲራ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ንግዜኣ ብጥበብ እተጠቐመትሉ ብኸመይ እያ፧
ሓውና ማርቲን ፖይትሲንገርን ሓብትና ገርትሩት ፖይትሲንገርን ኣብ እተፈላለየ መዳጐኒ ደምበታት ኣብ ዝነበሩሉ እዋን ከመይ ዝበለ መከራ እዮም ተጻዊሮም፧
ኪጻወሩ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧
መከራ ኼጋጥመካ ኸሎ፡ ኣስኣሰር ክርስቶስ ስዓብ