ክርስትያናዊ ህይወት
መስጐጕቲ እናሃለወ ኽነሱ ተሓጐስ
ክርስትያናት፡ መስጐጕቲ ኼጋጥሞም ከም ዚኽእል ይጽበዩ እዮም። (ዮሃ 15:20) መስጐጕቲ ጭንቀት ሓድሓደ ግዜ ድማ ስቓይ የምጽኣልና እኳ እንተ ዀነ፡ ምስ እንጻወሮ ግና ንሕጐስ ኢና።—ማቴ 5:10-12፣ 1ጴጥ 2:19, 20።
ነታ ክትሕጐስ ትኽእል ኢኻ—ዋላ እኳ መስጐጕቲ እንሃለወ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ካብ ተመክሮ በዝሀኖቭ ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ እንታይ ተማሂርካ፧
መጽሓፍ ቅዱስ መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ምንባብ
ካብ ክርስትያናት ብጾትካ ደገፍ ብዛዕባ ምርካብa
ኣዘውቲርካ ብዛዕባ ምጽላይ
መዝሙራት መንግስቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምዝማር
ንኻልኦት ብዛዕባ እምነትካ ምዝራብ
a ብዛዕባ እቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉ ክርስትያናት ብጾትና ስሞም እናረቛሓና ኽንጽሊ ንኽእል ኢና። እንተዀነ ግና፡ ብሕታዊ ደብዳበታትና፡ ብቤት ጽሕፈት ጨንፈር ኣቢልና ምስዳድ ኣይክኣልን እዩ።