ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ሉቃስ 10-11
ምሳልያዊ ዛንታ እቲ ሕያዋይ ሳምራዊ
የሱስ ነዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ እተዛረበ፡ ነታ ‘ብጻየይከ መን ኰን እዩ፧’ እትብል ሕቶ ንምምላስ እዩ። (ሉቃ 10:25-29) ክርስትያናዊት ጉባኤ “ንዅሉ ዓይነት ሰብ፡” እንተላይ ንሳምራውያንን ንኣህዛብን ከም እተጠቓልል ይፈልጥ ነይሩ እዩ። (ዮሃ 12:32) እዚ ምሳልያዊ ዛንታ እዚ፡ ሰዓብቲ የሱስ ንኻልኦት ሰባት፡ እንተላይ ነቶም ካባታቶም እተፈልዩ እውን ከይተረፈ ፍቕሪ ኼርእዩ ፍሉይ ጻዕሪ ኺገብሩ ኸም ዘለዎም እዩ ምሂርዎም።
ንርእስኻ ኸምዚ ዚስዕብ ኢልካ ሕተታ፦
‘ካብ ናተይ እተፈልየ ባህልታት ብዛዕባ ዘለዎም ኣሕዋትን ኣሓትን እንታይ እዩ ዚስምዓኒ፧’
‘ብቐንዱ ምስቶም ብብዙሕ ነገራት ምሳይ ዚመሳሰሉ ሰባት ጥራይ ድየ ግዜ ዜሕልፍ፧’
‘ምስቶም እተፈልየ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ክርስትያናት ብጾተይ ዝያዳ ምእንቲ ኽፋለጥ ልበይ ጋህ አብል ድየ፧’ (2ቈረ 6:13)
ክዕድሞ ዝደሊ ሰብ፦
ኣብ ኣገልግሎት ምሳይ ኪዓዪ
እኽለ ማይ ንምጥዓም ናብ ገዛይ ኪመጽእ
ኣብታ ኣብ ዚቕጽል ኣምልኾ ስድራ ቤት እንገብረላ ምሸት ምስ ስድራ ቤተይ ኪሓብር