ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 ነሓሰ ገጽ 8
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንመዓልታዊ ህይወትካ ዚኸውን ጥበብ ኣብ JW.ORG ድለ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
    ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧
  • ምኽሪ መጽናዕቲ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2023
  • ብዛዕባ እዚ ዚስዕብ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧
    ንቕሑ!—2019
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 ነሓሰ ገጽ 8
ሓደ ሓው ካርድ ኣድራሻ ተጠቒሙ ንሓደ ሰብኣይ ንjw.org የላልዮ

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ ንJW.ORG ተጠቐመሉ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውትና ዚርከብ ኵሉ ሕታማት ናብ jw.org ይሕብር እዩ። ቀንዲ ዕላማ ካርድ ኣድራሻን እታ ንኣገዳሲ ሕቶታት ህይወት ኣበይ መልሲ ኽንረኽበሉ ንኽእል፧ ዘርእስታ ትራክትን ንሰባት ናብ ወብ ሳይትና ምምራሕ እዩ። ንjw.org ተጠቒምካ ሓደ ኻብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውትና ዝዀነ ጽሑፋት ብኢ-መይል ወይ ብሊንክ ብምልኣኽ ኤለክትሮኒካዊ ቕዳሕ ከተበርክት ትኽእል ኢኻ። እዚ ድማ ብፍላይ ካልእ ቋንቋ ንዚዛረብ ሰብ ክትምስክረሉ ኸለኻ ሓጋዚ ዀይኑ ኽትረኽቦ ኢኻ። ብተወሳኺ፡ ሰባት ኣብቲ ንመምሃሪ ዚኸውን ቀንዲ ናውቲ መልሱ ዘይርከብ ሕቶታት ኪሓትቱ ይኽእሉ እዮም። ንወብ ሳይትና እንተ ተጠቒምናሉ፡ ኣብ ኣገልግሎትና ዝያዳ ውጽኢታውያን ክንከውን ንኽእል ኢና።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ሓደ ሓው ካርድ ኣድራሻ ተጠቒሙ ንሓደ ሰብኣይ ንjw.org የላልዮ

    ነቲ “ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ውሉዳት ብዛዕባ ምዕባይ ዚገልጽ ዝያዳ ሓበሬታ ንዝደለየ ወላዲ ትምስክረሉ ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ > ሓዳርን ስድራ ቤትን ርአ።

  • ነቲ “ሕታማት” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘይ ወግዓዊ መገዲ ትምስክርን ነታ መንእሰያት ዚሓትዎ ሕቶታትን ተግባራዊ መልስታቱን፡ 2ይ ጥራዝ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክትን ደሊኻ ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ሕታማት > መጻሕፍትን ብሮሹራትን ርአ።

  • ነቲ “ብዛዕባና” ዚብል ዓምዲ ተጠቐመሉ። ንኣብነት፡ ብዛዕባ እምነትና ሓጺር ሓበሬታ ኼንብብ ንዚደሊ ንሓደ መሳርሕትኻ ትምስክር ኣለኻ ንበል። ኣብ ትሕቲ ብዛዕባና > ብተደጋጋሚ ዚሕተት ሕቶታት ርአ።

ነታ ንJW.ORG ተጠቐመሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዞም ዚስዕቡ ሰባት ንምሕጋዝ ኣብ ወብ ሳይትና ኣበየናይ ቦታ ሓገዝ ከም እትረክብ ርአ፦

  • ብኣምላኽ ንዘይኣምን ሰብ

  • ኣብ ቀረባ እዋን ሓደጋ ንዘጋጠሞ ሰብ

  • ንዝዘሓለ ሓው ወይ ሓብቲ

  • ዕዮና ብኸመይ ከም ዚምወል ኪፈልጥ ንዚደሊ ተመላሊስካ ምብጻሕ

  • ናብ ዓዱ ምስ ተመልሰ ኣብ ኣኼባ ኺካፈል ንዚደሊ ሰብ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ