ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb18 መስከረም ገጽ 7
  • ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ትሕትና ኣርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ትሕትና ኣርኢ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ትሕትና ኣገዳሲት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • ኣምላኻዊ ባህርያት ኣማዕብል—ትሕትና
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • ኣብ ግዜ ፈተና ብትሕትና ተመላለስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • “ጥበብ ግና ምስቶም ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ እያ”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2018
mwb18 መስከረም ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ትሕትና ኣርኢ

የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ልክዕ ከም ቈልዓ ትሑታት ኪዀኑ ይምህሮም

የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ብምኽባር ትሕትና ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ 7:16-18) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሰይጣን “መካፍኢ” ዝትርጕሙ ድያብሎስ ኰነ። (ዮሃ 8:44) ኣመለኻኽታ ሰይጣን ኣብ ፈሪሳውያን ተንጸባሪቑ እዩ፣ ትዕቢቶም ድማ ኣብቲ መሲሕ እምነት ንዘሕደረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዜቈናጽብዎ እዩ ገይርዎም። (ዮሃ 7:45-49) ኣብ ጉባኤ፡ ፍሉይ መሰል ወይ ዕዮ ምስ ዚውሃበና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም​​’—​ኣይትቕናእን ኣይትጀሃርን፡ 1ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ኣሌክስ ንቢልን ንካርልን ኪዛረቦም ከሎ ይዕበl

    ኣሌክስ ትዕቢት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም​​’—​ኣይትቕናእን ኣይትጀሃርን፡ 2ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ኣሌክስ ንቢልን ንካርልን ኪዛረቦም ከሎ ትሕትና የርኢ

    ኣሌክስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

    ኣሌክስ ንቢልን ንካርልን ዘተባብዖም ብኸመይ እዩ፧

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም​​’—​ትዕቢትን ስድነትን ኣወግድ፡ 1ይ ክፍል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ሓውና ሃሪስ ንሓብትና ፋየ ኺዛረቦ ኸሎ ትሑት ኣየርእን

    ሓውና ሃሪስ ትሕትና ዘየርኣየ ብኸመይ እዩ፧

ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም​​’—​ትዕቢትን ስድነትን ኣወግድ፡ 2ይ ክፍል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦

  • ሓውና ሃሪስ ንሓብትና ፋየ ኺዛረባ ኸሎ ትሕትና የርኢ

    ሓውና ሃሪስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧

    ፋየ ኻብ ኣብነት ሓውና ሃሪስ ትምህርቲ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ