ክርስትያናዊ ህይወት
ከም ናይ ክርስቶስ ዝበለት ትሕትና ኣርኢ
የሱስ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ኻብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እኳ እንተ ነበረ፡ ንየሆዋ ብምኽባር ትሕትና ኣርእዩ እዩ። (ዮሃ 7:16-18) በቲ ኻልእ ሸነኽ ግና፡ ሰይጣን “መካፍኢ” ዝትርጕሙ ድያብሎስ ኰነ። (ዮሃ 8:44) ኣመለኻኽታ ሰይጣን ኣብ ፈሪሳውያን ተንጸባሪቑ እዩ፣ ትዕቢቶም ድማ ኣብቲ መሲሕ እምነት ንዘሕደረ ዝዀነ ይኹን ሰብ ከም ዜቈናጽብዎ እዩ ገይርዎም። (ዮሃ 7:45-49) ኣብ ጉባኤ፡ ፍሉይ መሰል ወይ ዕዮ ምስ ዚውሃበና ንየሱስ ክንመስሎ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ኣይትቕናእን ኣይትጀሃርን፡ 1ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ኣሌክስ ትዕቢት ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ኣይትቕናእን ኣይትጀሃርን፡ 2ይ ክፋል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ኣሌክስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ኣሌክስ ንቢልን ንካርልን ዘተባብዖም ብኸመይ እዩ፧
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ትዕቢትን ስድነትን ኣወግድ፡ 1ይ ክፍል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ሓውና ሃሪስ ትሕትና ዘየርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ነታ ‘ንሓድሕድኩም ፍቕሪ ትሃሉኹም’—ትዕቢትን ስድነትን ኣወግድ፡ 2ይ ክፍል ዘርእስታ ቪድዮ ርኣይዋ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ፦
ሓውና ሃሪስ ትሕትና ዘርኣየ ብኸመይ እዩ፧
ፋየ ኻብ ኣብነት ሓውና ሃሪስ ትምህርቲ ዝረኸበት ብኸመይ እያ፧