ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 4-5
ቃል ኣምላኽ ብኹሉ ትብዓት ተዛሪቦም
ሃዋርያት፡ መምህራን ኪዀኑ ዝኸኣሉ ብኸመይ እዮም፧ ብትብዓትን ብምትእምማንን ኪዛረቡ ዘኽኣሎም እንታይ እዩ፧ ኣብዚ መዳይ እዚ ዝሓገዞም፡ “ምስ የሱስ” እቲ ዓብዪ መምህር ምንባሮምን ካብኡ ምምሃሮምን እዩ። (ግብ 4:13) ውጽኢታውያን ኣገልገልቲ ኽንከውን ዚሕግዘና ኻብ የሱስ እንምሃሮ ገለ ትምህርትታት እንታይ እዩ፧