ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ግብሪ ሃዋርያት 27-28
ጳውሎስ ብመርከብ ናብ ሮሜ ነቐለ
ጳውሎስ እሱር ክነሱ ኻብ ምስባኽ ዓዲ ኣይወዓለን። ኣብታ መርከብ ከሎ ነቶም ባሕረኛታትን ነቶም መጋይሽቱን ይምስክረሎም ነይሩ እዩ። እታ መርከብ ኣብ ማልታ ድሕሪ ምስባራ እውን፡ ነቶም ዝፈወሶም ከም ዝሰበኸሎም ዜጠራጥር ኣይኰነን። ኣብ ሮሜ ምስ በጽሐ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ነቶም ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ኣውራታት ኣይሁድ ጸዊዑ፡ መስከረሎም። ኣብታ ንኽልተ ዓመት እተኣስረላ ቤት ኰይኑ ድማ፡ ንዅሎም እቶም ኪበጽሕዎ ዝመጹ ሰበኸሎም።
ዝዀነ ይኹን ጸገማት እናሃለወካ ኽነሱ፡ ነቲ ብስራት ምእንቲ ኸተካፍል እንታይ ክትገብር ትኽእል፧