ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ለካቲት ገጽ 8
  • ብተጻዋርነት ተሃንጢና ንጽበ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብተጻዋርነት ተሃንጢና ንጽበ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ገለ እኳ ሽልማትካ ኣይከልክልካ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2017
  • “ተጻዋርነት ዕዮኣ ትፈጽም”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ምስ ውድብ የሆዋ ለጊብካ ንበር
    ፍቓድ የሆዋ ንምግባር እተወደበ
  • ምዕጋስ ዓስቢ የምጽእ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ለካቲት ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

ብተጻዋርነት ተሃንጢና ንጽበ

መንግስቲ ኣምላኽ ክትመጽእ ክንደይ ኢኻ ተጸቢኻ፧ መከራ እናኣጋጠመካ ኽነሱ ብትዕግስቲ ትጽበዶ ኣለኻ፧ (ሮሜ 8:25) ገሊኦም ክርስትያናት፡ ጽልእን ግፍዕን ማእሰርትን ኣብ ሞት ዜብጽሕ ፈተና እውን ከይተረፈ ኣጋጢምዎም እዩ። ብዙሓት ካልኦት ድማ ሕዱር ሕማምን እርጋንን ይጻወሩ ኣለዉ።

ኣብ ትሕቲ ዝዀነ ይኹን ፈተና፡ ብተጻዋርነት ክንጽበ እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧ መዓልቲ መዓልቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምንባብን ብዛዕባ ዘንበብናዮ ብምስትንታንን፡ ንእምነትና ኸነደልድላ ኣሎና። ኣብ ተስፋና ኸነተኵር እውን ኣሎና። (2ቈረ 4:16-18፣ እብ 12:2) ናብ የሆዋ ኽንማህለልን ሓይሊ መንፈስ ቅዱሱ ምእንቲ ኺህበና ብጸሎት ክንልምኖን ኣሎና። (ሉቃ 11:10, 13፣ እብ 5:7) እቲ ፈቃር ኣቦና ‘ብዓቕልን ብሓጐስን ኵሉ ምእንቲ ኽንጻወር’ ኪሕግዘና ይኽእል እዩ።—ቈሎ 1:11።

ነታ ‘ብተጻዋርነት ጕየ’—ሽልማት ከም እትረክብ ተኣማመን ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ጀሚን ሰበይቱን ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ

    ኣብ ህይወት እንታይ ‘ኣጋጣሚ’ ኼጓንፈና ይኽእል፧ (መክ 9:11)

  • ጀሚ ወቕዒ ምስ ኣጋጠሞ፡ ካርል፡ ጥቕሲ የንብበሉ

    ፈተናታት ኬጋጥመና ኸሎ፡ ጸሎት ብኸመይ ይሕግዘና፧

  • ጀሚን ካርልን ንሰብ ሓዳር ጕስነታዊ ምብጻሕ ይገብሩሎም

    ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኸምቲ ቕድሚ ሕጂ ንገብሮ ዝነበርና ኽንገብር እንተ ዘይክኢልና፡ ኣብቲ ሕጂ ኽንገብሮ እንኽእል ከነተኵር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

  • ጀሚ ኣብ ገነት ጽቡቕ ጥዕና ረኺቡ ኺነብር ብኣእምሮኡ ይስእሎ

    ናብቲ ሽልማት ጠምት

    ሽልማት ከም እትረክብ ክትተኣማመን እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧

ነቶም ፈተናታት ዜጋጥሞም ዘሎን ንስድራ ቤቶምን ደገፍ ክትገብረሎም እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧

  • ልኡም ቃላት ብምዝራብን ንዓታቶም ምስ ካልኦት ብዘይምውድዳርን

  • ጽን ኢልካ ብምስማዕ

  • ንዓታቶም ብምጽላይን ምስኦም ኴንካ ብምጽላይን

  • ምግቢ ብምድላው ወይ ዕዮ ገዛ ብምሕጋዝ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ