ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ሚያዝያ ገጽ 8
  • መለኮታዊ ትምህርቲ ስዓብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መለኮታዊ ትምህርቲ ስዓብ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ኣገልገልቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስልጣን
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • ንቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ከተመልክት ፍቓደኛ ዲኻ፧
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ኣመልክት
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2022
  • ናይ ኣገልገልቲ ምድላው ቤት ትምህርቲ —ዓብይን ብርቱዕን ደገ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ሚያዝያ ገጽ 8

ክርስትያናዊ ህይወት

መለኮታዊ ትምህርቲ ስዓብ

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቲ ዓብዪ መምህር ዝዀነ የሆዋ፡ ብሉጽ ትምህርቲ የቕርበልና እዩ። ህይወትና ብኸመይ ከም እነመሓይሽ ይምህረናን ንዜደንቕ መጻኢ የዳልወናን እዩ፣ ነዚ ድማ ብናጻ ኢና እንረኽቦ። (ኢሳ 11:6-9፣ 30:20, 21፣ ራእ 22:17) የሆዋ ብመለኮታዊ ትምህርቲ ኣቢሉ፡ ነቲ ህይወት ዜድሕን መልእኽቲ ንኻልኦት ከነካፍሎም የዕጥቐና እዩ።—2ቈረ 3:5።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ትሕትናን ዓቕልን ኣማዕብል።—መዝ 25:8, 9

  • ነቲ ሕጂ ኽትረኽቦ እትኽእል ስልጠና ተቐበል፣ ንኣብነት፡ ነቲ ኣብ መንጎ ሰሙን ኣብ ዚግበር ኣኼባ ዚቐርብ ክፍሊ ተምሃራይ ኣቕርብ

  • ንርእስኻ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጽእ።—ፊል 3:13

  • ንተወሳኺ ስልጠና ብቑዕ ምእንቲ ኽትከውን፡ መስዋእቲ ኽፈል።—ፊል 3:8

ነታ ትምህርቲ የሆዋ ብመንፈሳዊ መዳይ የሀብትም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ገሊኦም ኣስፋሕቲ ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምክፋል እንታይ ዕንቅፋታት እዮም ሰጊሮም፧

  • ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ ስልጠና እዩ ዚህብ፧

  • ኣባላት ጉባኤ ነቶም ካብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እተመረቑ፡ ኣብቲ ሓድሽ ምድቦም እንታይ ሓገዝ እዮም ዚገብሩሎም፧

  • ኣብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ ንምምዝጋብ እንታይ ብቕዓት እዩ ዜድሊ፧ (kr 189)

  • ኣብ ውድብ የሆዋ እንታይ ካልእ ስልጠና ኽትወስድ ትኽእል፧

ካብ ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ እተመረቑ ተምሃሮ፡ ኣብ ናሚብያ፡ ኖርወይ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ ኸምኡ እውን ኣብ ጃፓን የገልግሉ

መለኮታዊ ትምህርቲ እንተ ስዒብካ፡ እንታይ በረኸት ኢኻ እትረክብ፧

ጥቕሚ ዝረኸብኩሉ ቲኦክራስያዊ ስልጠና፦

  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን

  • ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት ፈለምቲ

  • ቤት ትምህርቲ ኣገልግሎት መንግስቲ ኣምላኽ

  • ንሽማግለታት ጉባኤ ዚኸውን ቤት ትምህርቲ

  • ቤት ትምህርቲ ወንጌላውያን መንግስቲ ኣምላኽ

ብሕጂ ኽረኽቦ ዝመጣጠሮ ዘለኹ ቲኦክራስያዊ ስልጠና፦

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ