ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ሰነ ገጽ 7
  • መዘናግዒኻ ብጥበብ ምረጽ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መዘናግዒኻ ብጥበብ ምረጽ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሆዋ ባህ ዜብሎ መዘናግዒ ምረጽ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • ጥዑይ መዘናግዒ ብኸመይ ትመርጽ፧
    “ንርእስኹም ብፍቕሪ ኣምላኽ ሓልውዋ”
  • ንየሆዋ በይኑ ተወፋይነት ሃቦ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2019
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ሰነ ገጽ 7

ክርስትያናዊ ህይወት

መዘናግዒኻ ብጥበብ ምረጽ

መዘናግዒና ብጥበብ ክንመርጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ ምኽንያቱ እንርእዮ ፊልም፡ እንሰምዖ ሙዚቃ፡ እንኸፍቶ ወብሳይት፡ እነንብቦ መጽሓፍ፡ ወይ እንጻወቶ ጸወታ ቪድዮ ኽንመርጽ ከለና፡ ንኣእምሮና እንመልኦ ነገራት ኢና እንሓሪ ዘለና። እቲ እንገብሮ ምርጫ ንባህርይና ይጸልዎ እዩ። እቲ ዜሕዝን ድማ፡ መብዛሕትኡ ሎሚ ዘሎ መዘናግዒ፡ የሆዋ ዚዅንኖ ነገራት ዝሓዘ እዩ። (መዝ 11:5፣ ገላ 5:19-21) በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ እዩ መጽሓፍ ቅዱስ ንየሆዋ ዜኽብር ነገራት ብቐጻሊ ኽንሓስብ ዚምሕጸነና።—ፊል 4:8።

ነታ እንታይ ዓይነት መዘናግዒ ኽመርጽ ኣሎኒ፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ሮሜ ዝነበሩ ተቓለስቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ቓልሲ

    እቶም ኣብ ጥንታዊት ሮሜ ዝነበሩ ተቓለስቲ ዚገብርዎ ዝነበሩ ቓልሲ ምስቲ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ገሊኡ መዘናግዒ ዚመሳሰል ብኸመይ እዮም፧

  • ሓደ ፈላሚ ሓው ኣብ ጉባኤኡ ምስ ዚርከብ ሓደ መንእሰይ ሓው ኣብ ኣገልግሎት ወፍሪ

    መንእሰያት መዘናግዒ ብጥበብ ምእንቲ ኺመርጹ፡ ኣባላት ጉባኤ ብኸመይ ኪሕግዝዎም ይኽእሉ፧

  • ሓደ ወተሃደር

    ሮሜ 12:9 ነቲ ኣብ መዘናግዒ እንገብሮ ምርጫ እትጸልዎ ብኸመይ እያ፧

  • መንእሰያት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኵዕሶ ይጻወቱ

    ገለ ኣብነታት እቲ ኣብ ከባቢኻ ዚርከብ ጥዑይ መዘናግዒ እንታይ እዩ፧

ዜሳትፍዶ ወይስ ዘየሳትፍ መዘናግዒ፧

ሎሚ ዘሎ መብዛሕትኡ ህቡብ መዘናግዒታት ንሓደ ሰብ ኣብቲ መዘናግዒ ኸም ዘይሳተፍ እዩ ዚገብሮ። ፊልምታትን መጻሕፍትን መደባት ተለቪዥንን ናትካ ሓሳባት ዘይኰነስ፡ ካልእ ሰብ ዝመሃዞ ሓሳባት እዩ ዜቕርብ። ዋላ እኳ እቲ ዘየሳትፍ መዘናግዒ ናቱ ዝዀነ እጃም እንተ ሃለዎ፡ ብዙሓት ግና ነቲ ዜሳትፍ መዘናግዒ ዝያዳ ዜዕግብ ኰይኑ እዮም ረኺቦምዎ። ንኣብነት፡ ገሊኦም መሳርሒ ሙዚቃ ምጽዋት ወይ ስእሊ ምስኣል ባህ ይብሎም እዩ። ገሊኦም ድማ ከም ስፖርት ወይ ጕዕዞ ወይ ኣብ ግዳም ዚግበር መዘናግዒታት ባህ ይብሎም እዩ። እቲ እንመርጾ መዘናግዒ እዚ ይኹን እቲ፡ ‘ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ንግበሮ።’—1ቈረ 10:31።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ