16-22 መስከረም
ብዓመት ደርቂ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧
እምነትን ምትእምማንን እተተሓሓዛ እየን። ንኣብነት፡ ኣብ የሆዋ ዘላትና ድልድልቲ እምነት፡ ንሱ ኸም ዜዕቝበናን ከም ዚሓልየልና ኽንተኣማመን ትሕግዘና። (መዝ 23:1, 4፣ 78:22) ናብ መወዳእታ እዚ ስርዓት እዚ እናቐረብና ኣብ እንኸደሉ ዘለና እዋን፡ መጥቃዕትታት ሰይጣን እናሓየለ ኸም ዚኸይድ ክንጽበ ንኽእል ኢና። (ራእ 12:12) እንታይ ኪሕግዘና ይኽእል፧
ነታ ብዓመት ደርቂ እንታይ ክትገብሩ ኢኹም፧ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ከምታ ኣብ ኤርምያስ 17:8 ተጠቒሳ ዘላ “ኦም” ዝዀንና ብኸመይ ኢና፧
ሓደ ዓይነት “ዋዒ” እንታይ እዩ፧
እቲ “ኦም” ዋዒ ምስ ኣጋጠሞ እንታይ እዩ ዚኸውን፧ ስለምንታይከ፧
ሰይጣን እንታይ ኬጥፍእ እዩ ዚደሊ፧
ከም ምኩራት በረርቲ ዝዀንና በየናይ መገድታት ኢና፧
ነቲ እሙንን ኣስተውዓልን ባርያ፡ ወትሩ ኽንኣምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ እቲ ዘሎና ምትእምማን ኪፍተን ዚኽእልከ ብኸመይ እዩ፧
ካብ ዓለም ላግጺ እናኣጋጠመና ኽነሱ፡ ንስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ወትሩ ኽንኣምኖ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧