ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ታሕሳስ ገጽ 8
  • ‘ምድሪ ነቲ ውሒዝ ወሓጠቶ’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘ምድሪ ነቲ ውሒዝ ወሓጠቶ’
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ሰበኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ፡ ጕዳዮም ናብ ቤት ፍርዲ የቕርቡ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
  • መስጐጕቲ ንዚወርዶም ክርስትያናት ኣብ ጸሎትካ ዘክሮም
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2017
  • መንግስቲ ኣምላኽ ተወሊዳ!
    ራእይ እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!
  • ብተኣማንነት ንመንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ምድጋፍ
    መንግስቲ ኣምላኽ ትገዝእ ኣላ!
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ታሕሳስ ገጽ 8
ብዛዕባ እቲ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ኮርያ ዝበጽሖም ማእሰርቲ ዚገልጽ ካብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እተዋህበ ሕጋዊ ሰነድ፡ ኮርያውያን ኣሕዋት ክዳን ቤት ማእሰርቲ ተኸዲኖም

ክርስትያናዊ ህይወት

‘ምድሪ ነቲ ውሒዝ ወሓጠቶ’

ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ንህዝቢ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋን ሓጊዞም እዮም። (እዝ 6:1-12፣ እዝ 8:10-13) ኣብ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ “ምድሪ”—ማለት ኣብዚ ዝያዳ ሚዛናዊ ስርዓት ዓለም ዘሎ ባእታታት—ነቲ በቲ “ገበል” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዚፍኖ “ውሒዝ” መስጐጕቲ ኽትውሕጦ ርኢና ኢና። (ራእ 12:16) የሆዋ እቲ “ዜድሕን ኣምላኽ፡” ህዝቡ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ሓድሓደ ግዜ ንሰብኣውያን መራሕቲ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።—መዝ 68:20፣ ምሳ 21:1።

ብምኽንያት እምነትካ ተኣሲርካ እንተ ትኸውንከ፧ የሆዋ ይርእየካ ኸም ዘሎ ኣይትጠራጠር። (ዘፍ 39:21-23፣ መዝ 105:17-20) እምነትካ ዓስቢ ኸም ዘለዎን ንጽህናኻ ምሕላውካ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትካ ኸም ዜተባብዖምን ርግጸኛ ኹን።—ፊል 1:12-14 ራእ 2:10።

ነታ ኮርያውያን ኣሕዋትና ኻብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትና እተኣስሩ ስለምንታይ እዮም፧

  • ንገሊኦም ኣሕዋትና ብኣጋኡ ኺፍትሑ ዘኽኣለ ናይ ቤት ፍርዲ ብይን እንታይ እዩ፧

  • ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ መላእ ዓለም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትና ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧

  • ነቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ናጽነት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧

  • ስለቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ዓወታት፡ ኪምስገን ዘለዎ መን እዩ፧

ሓደ እዋን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣሲሮምሉ ዝነበረ ኣብ ኮርያ ዚርከብ ቤት ማእሰርቲ፣ ካብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ናብ ጨንፈር ኮርያ እተላእከ ድሕሪኡ ናብቶም እተኣስሩ ኣሕዋት እተመሓላለፈ ደብዳበታት፣ ኣቦን ወድን ምስ ተራኽቡ ይተሓቛቘፉ

ንብሕታዊ ናጽነተይ ብኸመይ እየ ዝጥቀመሉ፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ