ክርስትያናዊ ህይወት
‘ምድሪ ነቲ ውሒዝ ወሓጠቶ’
ኣብ መላእ ታሪኽ ወዲ ሰብ፡ ዓለማውያን ሰበ ስልጣን ንህዝቢ የሆዋ ኣብ እተፈላለየ እዋን ሓጊዞም እዮም። (እዝ 6:1-12፣ እዝ 8:10-13) ኣብ ግዜና እውን ከይተረፈ፡ “ምድሪ”—ማለት ኣብዚ ዝያዳ ሚዛናዊ ስርዓት ዓለም ዘሎ ባእታታት—ነቲ በቲ “ገበል” ዝዀነ ሰይጣን ድያብሎስ ዚፍኖ “ውሒዝ” መስጐጕቲ ኽትውሕጦ ርኢና ኢና። (ራእ 12:16) የሆዋ እቲ “ዜድሕን ኣምላኽ፡” ህዝቡ ዕረፍቲ ምእንቲ ኺረኽቡ ሓድሓደ ግዜ ንሰብኣውያን መራሕቲ ኺድርኾም ይኽእል እዩ።—መዝ 68:20፣ ምሳ 21:1።
ብምኽንያት እምነትካ ተኣሲርካ እንተ ትኸውንከ፧ የሆዋ ይርእየካ ኸም ዘሎ ኣይትጠራጠር። (ዘፍ 39:21-23፣ መዝ 105:17-20) እምነትካ ዓስቢ ኸም ዘለዎን ንጽህናኻ ምሕላውካ ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ኣሕዋትካ ኸም ዜተባብዖምን ርግጸኛ ኹን።—ፊል 1:12-14 ራእ 2:10።
ነታ ኮርያውያን ኣሕዋትና ኻብ ቤት ማእሰርቲ ተፈቲሖም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ብኣሽሓት ዚቝጸሩ ኣሕዋትና እተኣስሩ ስለምንታይ እዮም፧
ንገሊኦም ኣሕዋትና ብኣጋኡ ኺፍትሑ ዘኽኣለ ናይ ቤት ፍርዲ ብይን እንታይ እዩ፧
ነቶም ኣብዚ ግዜ እዚ፡ ብምኽንያት እምነቶም ኣብ መላእ ዓለም ተኣሲሮም ዘለዉ ኣሕዋትና ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ነቲ ሕጂ ረኺብናዮ ዘሎና ዝዀነ ይኹን ናጽነት ብኸመይ ኢና ኽንጥቀመሉ ዘሎና፧
ስለቲ ኣብ ቤት ፍርዲ ዝረኸብናዮ ዝዀነ ይኹን ዓወታት፡ ኪምስገን ዘለዎ መን እዩ፧
ንብሕታዊ ናጽነተይ ብኸመይ እየ ዝጥቀመሉ፧