ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb19 ታሕሳስ ገጽ 7
  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተዓጻጻፊ ኹን

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተዓጻጻፊ ኹን
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሔት ንምዕዳል ዚሕግዝ ኣቀራርባ ብኸመይ ከም እተዳሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ተዓጻጻፊ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንብዓል ቤት ብርትዓዊ መገዲ ኣረድኣዮ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2011
  • ኣብ ኣገልግሎትካ ነታ ወርቃዊት ሕጊ ስዓባ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2014
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2019
mwb19 ታሕሳስ ገጽ 7
ክልተ ኣሓት፡ ታብለተን ተጠቒመን ንሓደ ወናኒ ሕርሻ ኸብቲ ይሰብካሉ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣብ ኣገልግሎት ክእለትካ ኣመሓይሽ—ተዓጻጻፊ ኹን

ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ እቶም ቅቡኣትን እቶም ካልኦት ኣባጊዕን፡ ንዅሎም ዓይነት ሰባት ‘ማይ ህይወት ብናጻ ኺወስዱ’ ይዕድሙ ኣለዉ። (ራይ 22:17) እዚ ምሳልያዊ ማይ እዚ፡ ነቲ የሆዋ ንእዙዛት ሰባት ካብ ሓጢኣትን ሞትን ሓራ ንምውጻእ ዝገበሮ ዅሉ መሰናድዎታት የመልክት። እተፈላለየ ልምድን ሃይማኖታዊ እምነታትን ንዘለዎም ሰባት ንምሕጋዝ፡ ነቲ “ናይ ዘለኣለም ብስራት” ንዓታቶም ብብሕቲ ብዚስሕቦም መገዲ ኸነቕርቦ ኣሎና።—ራእ 14:6።

እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧

  • ንልቢ እቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ዚትንኪ ርእሰ ጕዳይን ጥቕስን ምረጽ። ካብቲ ንመርኣዪ ዚኸውን ዝርርባት ወይ ድማ ውጽኢታዊ ዀይኑ ዝረኸብካዮ ኻልእ ርእሰ ጕዳይ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ከመይ ዝበለ ርእሰ ጕዳይን ጥቕስን እዩ ጽቡቕ ተቐባልነት ዚረክብ፧ ንብዙሓት ሰባት ዜተሓሳስቦም እዋናዊ ዜና ኣሎዶ፧ ንሓደ ሰብኣይ ወይ ንሓንቲ ሰበይቲ ዚስሕባ እንታይ እዩ፧

  • ኣብቲ ዝርርብካ ኣብ ከባቢኻ ልሙድ ዝዀነ ሰላምታን ኣዘራርባን እውን ተጠቐም።—2ቈረ 6:3, 4

  • ንሓደ ተገዳስነት ዘርኣየ ሰብ ምእንቲ ኸተካፍሎ ምስቲ ኣብ ናውቲ ትምህርቲ ዘሎ ሕታማትን ቪድዮታትን ጽቡቕ ጌርካ ተላለ

  • ብቛንቋ እቶም ኣብ ክልኻ እትረኽቦም ሰባት ዚርከብ ሕታማትን ቪድዮታትን ኣራግፍ

  • ነቲ ርእሰ ጕዳይካ ምስ ድሌት እቲ ብዓል ቤት ከም ዚሰማማዕ ግበሮ። (1ቈረ 9:19-23) ንኣብነት፡ እቲ ብዓል ቤት ኣብ ቀረባ እዋን ሰቡ ኸም ዝሞተ እንተ ፈሊጥካ፡ እንታይ ክትብል ትኽእል፧

ነታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • እቲ ኣስፋሒ ምስቲ ብዓል ቤት ብዛዕባ እንታይ እዩ ኺመያየጥ ጀሚሩ፧

  • እቲ ብዓል ቤት ኣብ ህይወቱ እንታይ እዩ ዘጋጥሞ ዘሎ፧

  • ኣብዚ ኣጋጣሚ እዚ ኣየናይ ጥቕሲ እዩ ዝሓሸ፧ ስለምንታይከ፧

  • ነቶም ኣብ ክልኻ ዘለዉ ሰባት ብዚስሕብ መገዲ ኣቀራርባኻ ብኸመይ ከተተዓራርዮ ትኽእል፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ