ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘፍጥረት 9-11
“ኵላ ምድሪ ብሓደ ቛንቋ . . . ትዛረብ ነበረት”
ኣብ ባቤል፡ የሆዋ ነቶም ዘይእዙዛት ሰባት ቋንቋኦም ደባሊቑ ፋሕ ኣበሎም። ሎሚ፡ የሆዋ ኻብ ኵሎም ህዝብታትን ቋንቋታትን ብዙሓት ህዝቢ ብምእካብ፡ “ስም የሆዋ ምእንቲ ኺጽውዑ፡ ብሓድነት ድማ ምእንቲ ኼገልግልዎሲ . . . ጽሩይ ቋንቋ” ይህቦም ኣሎ። (ጸፎ 3:9፣ ራእ 7:9) እዚ “ጽሩይ ቋንቋ” እዚ፡ ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት ዚርከብ ብዛዕባ የሆዋን ዕላማታቱን ዚገልጽ ሓቂ እዩ።
ሓደ ሰብ ሓድሽ ቋንቋ ኺምሃር ከሎ፡ ሓድሽ ቃላት ጥራይ ኣይኰነን ዜጽንዕ። የግዳስ፡ ሓድሽ ኣተሓሳስባ እውን ይምሃር እዩ። ብተመሳሳሊ፡ ጽሩይ ቋንቋ ሓቂ ኽንምሃር ከለና፡ ኣእምሮና ይልወጥ እዩ። (ሮሜ 12:2) እዚ ድማ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኣምላኽ፡ ሓድነት ከም ዚህሉ ዚገብር ቀጻሊ መስርሕ እዩ።—1ቈረ 1:10።