ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘጸኣት 15-16
ንየሆዋ ብመዝሙር ወድሶ
ሙዚቃ ኣብ ኣተሓሳስባናን ኣብ ስምዒትናን ሓያል ጽልዋ ኺህልዎ ይኽእል እዩ። መዝሙር ኣገዳሲ ኽፍሊ እቲ ንየሆዋ እነቕርቦ ኣምልኾ እዩ።
ሙሴን እስራኤላውያንን ብተኣምራዊ መገዲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ስለ ዝደሓኑ፡ ንየሆዋ ብመዝሙር ወደስዎ
ንጉስ ዳዊት፡ ሙዚቀኛታትን ዘመርትን ኰይኖም ኣብ ቤተ መቕደስ ዘገልግሉ 4000 ሰባት መዲቡ ነይሩ
ድሮ እታ የሱስ ዝሞተላ ምሸት፡ ንሱን እቶም እሙናት ሃዋርያቱን ብመዝሙር ንየሆዋ ወዲሶምዎ
ንየሆዋ ብመዝሙር ክውድሶ ዝኽእለሉ እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎኒ፧