ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 1-3
ዕላማ መስዋእትታት
እቲ ብመሰረት ትእዛዝ ኪዳን ሕጊ ሙሴ ዚቐርብ ዝነበረ መስዋእትታት ንየሆዋ ዜሐጕስ እዩ ነይሩ። ነቲ መስዋእታዊ በጃ የሱስ ወይ ከኣ ነቲ በቲ መስዋእቲ ዚርከብ ጥቕሚ ዚሕብር ድማ እዩ ነይሩ።—እብ 8:3-5፣ 9:9፣ 10:5-10።
ኵሎም እቶም ንመስዋእቲ ዚቐርቡ ዝነበሩ እንስሳታት ጥዑያትን ኣበር ዘይብሎምን ኪዀኑ ነበሮም፣ ብተመሳሳሊ እውን የሱስ ነቲ ፍጹምን ኣበር ዘይብሉን ሰብነቱ እዩ ንመስዋእቲ ኣቕሪቡ።—1ጴጥ 1:18, 19
መስዋእቲ ምሕራር ኪቐርብ ከሎ ብምሉኡ እዩ ንየሆዋ ዚውፈ ነይሩ፣ ብተመሳሳሊ እውን የሱስ ርእሱ ንየሆዋ ምሉእ ብምሉእ እዩ ኣቕሪቡ
እቶም መስዋእቲ ሕብረት ዜቕርቡ ዝነበሩ ምስ ኣምላኽ ሰላም ነበሮም፣ ብተመሳሳሊ እውን እቶም ኣብ ድራር ጐይታ ዚካፍሉ ቕቡኣት ምስ ኣምላኽ ሰላም ኣለዎም