ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb20 ታሕሳስ ገጽ 3
  • ንተግሳጽ የሆዋ ምስ እንድግፍ፡ ፍቕሪ ነርኢ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንተግሳጽ የሆዋ ምስ እንድግፍ፡ ፍቕሪ ነርኢ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ተግሳጽ—መግለጺ ፍቕሪ የሆዋ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ውገዳ ፍቕራዊ መሰናድዎ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2015
  • ሰብካ ንየሆዋ ምስ ዚሓድጎ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2021
  • ነቲ ናይ ተኣማንነት ብድሆ ምግጣሙ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1996
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2020
mwb20 ታሕሳስ ገጽ 3

ክርስትያናዊ ህይወት

ንተግሳጽ የሆዋ ምስ እንድግፍ፡ ፍቕሪ ነርኢ

ውገዳ ነታ ጉባኤ የዕቍባ፡ ንዘይተነስሑ ኣበስቲ ኸኣ ተግሳጽ እዩ። (1ቈረ 5:6, 11) ነቲ ኸምዚ ዝኣመሰለ ኻብ የሆዋ ዚውሃብ ተግሳጽ ክንድግፍ ከለና፡ ፍቕሪ ኢና እነርኢ። ውገዳ ንዅሎም እቶም በዚ እተጸልዉ፡ እንተላይ ንናይ ቀረባ ሰብ እቲ እተወገደን ንኮሚተ ፍርድን ስምዒታዊ ስቓይ ኬምጽኣሎም ከሎ እውን ከይተረፈ፡ እዚ ሓቂ ዚኸውን ብኸመይ እዩ፧

ልዕሊ ዅሉ ድማ፡ ንስም የሆዋን ነቲ ዘውጽኦ ስርዓታት ቅድስናን ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና። (1ጴጥ 1:14-16) ብዘይካዚ፡ ነቲ እተወገደ ሰብ እውን ፍቕሪ ኸም ዘሎና ነርኢ ኢና። ሓያል ተግሳጽ፡ ዜጕሂ እኳ እንተ ዀነ፡ “ናይ ሰላም ፍረ፡ ማለት ጽድቂ” እዩ ዜፍሪ። (እብ 12:5, 6, 11) ብኣንጻሩ ግና፡ ምስ ሓደ እተወገደ ወይ ርእሱ ዘግለለ ምስ እንሓብር ንተግሳጽ የሆዋ ኢና እንጻረር። የሆዋ ንህዝቡ ‘ብልክዕ ከም ዚግስጽ’ ኣይንረስዕ። (ኤር 30:11) ንተግሳጽ የሆዋ ኽንድግፍን መንፈሳዊ ልማዳትና ኽንቅጽልን ከለና፡ እቲ ሰብ ናብቲ መሓሪ ኣቦና ኺምለስ ተስፋ ንገብር ኢና።—ኢሳ 1:16-18፣ 55:7።

ነታ ብሓደ ልቢ ተኣማንነትኩም ሓልዉ ዘርእስታ ድራማዊት ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ካብታ ‘ብሓደ ልቢ ተኣማንነትኩም ሓልዉ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ። ገብርኤላን በንን እቲ ሓዲግዎም ዝኸደ ወዶም ንዝጸሓፈሎም ደብዳበ ምስ ኣንበቡ ይጕህዩ።

    ሓደ ውሉድ ንየሆዋ ኺሓድጎ ኸሎ፡ ክርስትያን ወለዱ ኽሳዕ ክንደይ እዮም ዚጕህዩ፧

  • ካብታ ‘ብሓደ ልቢ ተኣማንነትኩም ሓልዉ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ ጉባኤ፡ ፈተውቶም ንገብርኤላን ንበንን ይሓቝፍዎምን የጸናንዕዎምን።

    ጉባኤ ንእሙናት ኣባላት ስድራ ቤት ብኸመይ እያ ኽትድግፎም እትኽእል፧

  • ካብታ ‘ብሓደ ልቢ ተኣማንነትኩም ሓልዉ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ። ገብርኤላ ነቲ ብዛዕባ ዕልወት ቆራሕ ዚገልጽ ዛንታ ብኣእምሮኣ ትስእሎ።

    ኣየናይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ታሪኽ እዩ ንየሆዋ ዘለና ተኣማንነት ካብቲ ንስድራ ቤትና ዘለና ተኣማንነት ዝያዳ ኸም ዜገድስ ዜብርህ፧

  • ካብታ ‘ብሓደ ልቢ ተኣማንነትኩም ሓልዉ’ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ ስእሊ። ድሕሪ ኣኼባ፡ ገብርኤላ ንበን ወዶም ተክስት ኸም ዝለኣኸላ ትነግሮ።

    ካብቲ ንስድራ ቤትና ዘሎና ተኣማንነት ንየሆዋ ዘሎና ተኣማነት ከነቐድም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ