ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ መዛግብቲ | ዘሌዋውያን 14-15
ንጹህ ኣምልኾ ንጽህና ይሓትት
ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ምእንቲ ኽንጸንዕ፡ ብዅለንትናና ንጹሃት ክንከውን ኣሎና። እዚ ማለት ከኣ፡ ተግባራት እዛ ኣብ ከባቢና ዘላ ዓለም እንታይ ምዃኑ ብዘየገድስ፡ ብኣካላውን ብስነ ምግባራውን ብመንፈሳውን መዳይ፡ ስርዓታት የሆዋ ብተኣማንነት ንሕሉ ኢና። ሰማያዊ ኣቦና ኸም ርኹስ ንዚርእዮ ዝዀነ ይኹን ነገር ካብ ምግባር ንቝጠብ ኢና።
ንስርዓታት እዛ ዓለም እዚኣ ምስ ዝነጽጎ፡ ብኸመይ እየ ዝጥቀም፧