ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ጥሪ ገጽ 3
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ስድራ ቤትካ ብኸመይ ሕጕስቲ ኽትከውን ትኽእል፧—2ይ ክፋል
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ወለዲ ንውሉዳትኩም ኣዕቍብዎም!
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም፡ ንየሆዋ ኼፍቅርዎ ሓግዝዎም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (መጽናዕቲ)—2022
  • ውሉዳትና ኽቡራት ውህበት እዮም
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ጥሪ ገጽ 3
ወለዲ ንደቆም ብኸመይ ካብ ጕድኣት ኪዕቈቡ ኸም ዚኽእሉ ኺምህርዎም ከለዉ፡ ብኢዶም እናኣመልከቱ ‘እምቢ’ ኺብሉ የለማምድዎም።

ክርስትያናዊ ህይወት

ኣቱም ወለዲ፡ ንደቅኹም ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም

ኣብዛ ንጽቡቕሲ ኽፉእ፡ ንኽፉእ ከኣ ጽቡቕ እትብል ዓለም ኢና እንነብር ዘለና። (ኢሳ 5:20) እቲ ዜሕዝን ድማ፡ ገሊኦም ሰባት የሆዋ ዚጸልኦ ነገራት ይገብሩ እዮም። ሕሉፍ ሓሊፎም፡ ምስ ከምኦም ዓይነት ጾታ ዘይግቡእ ተግባር ይፍጽሙ። እዞም ክቡራት ደቅና፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ ዘለዉ መዛኑኦም ወይ ካልኦት ንኣካይዳኦም ኪስዕቡ ይሓባብልዎም እዮም። እሞኸ፡ ንደቅኹም ነዝን ንኻልእ ተመሳሳሊ ፈተናታትን ብዓወት ኪሰግርዎ ብኸመይ ከተዳልውዎም ትኽእሉ፧

ንደቅኹም ስርዓታት የሆዋ ብምምሃር ብፍልጠት ኣዕጥቕዎም። (ዘሌ 18:3) ዕድሚኦም ኣብ ግምት ብምእታው፡ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ጾታ እንታይ ከም ዚብል በብግዜኡ ምሃርዎም። (ዘዳ 6:7) ንርእስኹም ከምዚ ኢልኩም ሕተቱ፦ ‘ዚፈትወካ ሰብ ከመይ ገይሩ ብግቡእ ስምዒቱ ኺገልጽ ከም ዚግብኦ፡ ትሕትና ዜርኢ ኽዳውንቲ ኽሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ፡ ካልኦት ኣብ ዘይግቡእ ኪተናኽፍዎም ከም ዘይብሎም ንደቀይ ምሂረዮም ድየ፧ ሓደ ሰብ ስእለ ጽዩፍ ኬርእዮም እንተ ፈቲኑ ወይ የሆዋ ዘይፈትዎ ተግባር ኪገብሩ እንተ ሓቲትዎም፡ ደቀይ እንታይ ከም ዚገብሩ ይፍለጡ ድዮም፧’ ደቅኹም፡ ኣቐዲሞም ፍልጠት እንተ ኣጥርዮም፡ ካብ መዓት ኪስተሩ እዮም። (ምሳ 27:12፣ መክ 7:12) ንደቅኹም ክትምህርዎም ከለኹም፡ ነቶም ካብ የሆዋ እተዋህቡኹም ክቡራት ርስቲ ኸም እተፍቅርዎም ኢኹም እተርእዩ።—መዝ 127:3።

ነታ ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ ካብ “እከይ” ሓልዎም ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ‘ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ ካብ ‘እከይ’ ሓልዎም’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣደ ምስ ወዳ ዀይና ‘ንደቅኻ ኣዕቍቦም’ ዘርእስታ ቪድዮ ትርኢ።

    ገሊኦም ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ኪምህርዎም ዚወላወሉ ስለምንታይ እዮም፧

  • ‘ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ ካብ ‘እከይ’ ሓልዎም’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ወለዲ ምስ ክልተ ደቆም ኰይኖም ‘ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር’ ዘርእስታ መጽሓፍን ካልእ ሕታማትን ይመያየጡ።

    ወለዲ ንደቆም “ብተግሳጽን ብምዕዶን የሆዋ” ኼሰልጥንዎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧—ኤፌ 6:4

  • ‘ዚጻወር ቤት ህነጽ—ንደቅኻ ካብ ‘እከይ’ ሓልዎም’ ካብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ኣብ ኣፍሪቃ፡ ወለዲ ምስ ደቆም ጥቕስታት መጽሓፍ ቅዱስ የንብቡን ይመያየጡን።

    ፍልጠት ዕቝባ እዩ

    ወለዲ ንደቆም ብዛዕባ ጾታዊ ጕዳያት ምእንቲ ኺምህርዎም፡ ውድብ የሆዋ እንታይ ሓገዝ እያ ኣዳልያ፧—w19.05 12፡ ሳጹን

  • ጸገማት ቅድሚ ምምጻኡ፡ ምስ ደቅኹም ቀጻሊ ርክብ ክትገብሩ ዘሎኩም ስለምንታይ ኢኹም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ