ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • mwb21 ጥሪ ገጽ 5
  • ንሓዳርካ ሓልዎ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ንሓዳርካ ሓልዎ
  • ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ዕዉት ክርስትያናዊ ሓዳር
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • ሓዳር ኣብ ደንደስ ምፍራስ ምስ ዝበጽሕ
    መፍትሕ ሓጐስ ስድራ ቤት
  • ድሕሪ መዓልቲ መርዓ
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
ዝያዳ ርአ
ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
mwb21 ጥሪ ገጽ 5
ሓደ ሰብኣይ ምስ ሰበይቱ ኾፍ ኢሉ ተሓጒሱ ኽዳን የተሓጽባ።

ክርስትያናዊ ህይወት

ንሓዳርካ ሓልዎ

የሆዋ ንሓዳር ኣርዚኑ እዩ ዚርእዮ። ሰብኣይን ሰበይትን ኪጣበቑ ኸም ዘለዎም እዩ ተዛሪቡ። (ማቴ 19:5, 6) ኣብ ህዝቢ ኣምላኽ ኣብነት ዝዀኑ ሓያሎ ሰብ ሓዳር ኣለዉ። ይኹን እምበር፡ ፍጹም ዝዀነ ሓዳር የለን። ጸገማት የጋጥም እዩ። ጸገማት ኬጋጥም ከሎ፡ ምፍልላይን ፍትሕን ከም ቅቡል ፍታሕ ጌርካ ንዚርአ ልሙድ ኣረኣእያ ኽንቅበሎ የብልናን። ክርስትያናት ሰብ ሓዳር ንሓዳሮም ኪሕልውዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧

ነዚ ዚስዕብ ሓሙሽተ ኣገዳሲ ስጕምታት ሕሰበሉ፦

  1. ከም ምኵሻምን ርኹስ መዘናግዕን ዝኣመሰለ ንሓዳር ኬዳኽም ካብ ዚኽእል ነገራት ብምርሓቕ ንልብኻ ሓልዎ።—ማቴ 5:28፣ 2ጴጥ 2:14።

  2. ነቲ ምስ ኣምላኽ ዘሎካ ዕርክነት ኣደልድሎ፡ ብሓዳርካ ኸተሐጕሶ ንዘሎካ ባህጊ ኸኣ ኣጐሃህሮ።—መዝ 97:10።

  3. ወትሩ ሓድሽ ሰብእና ልበስ፡ ንመጻምድትኻ ዜሐጕሶ ንኣሽቱ ነገራት እውን ከይተረፈ ግበር።—ቈሎ 3:8-10, 12-14።

  4. ብኣኽብሮትን ትርጉም ብዘለዎ መገድን ሓሳብ ንሓሳብ ተለዋወጥ።—ቈሎ 4:6።

  5. ንመጻምድትኻ ብለውሃትን ብፍቕርን ዚግብኦ ግበረሉ።—1ቈረ 7:3, 4፣ 10:24።

ክርስትያናት ንሓዳርም ኬኽብሩ ኸለዉ፡ ነቲ መስራቲ ሓዳር ዝዀነ የሆዋ እዮም ዜኽብርዎ።

ነታ “ብተጻዋርነት ጕየ”—ስርዓት እቲ ውድድር ሓሉ ዘርእስታ ቪድዮ ርኣያ እሞ፡ ድሕሪኡ፡ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሶ፦

  • ‘‘ብተጻዋርነት ጕየ’—ስርዓት እቲ ውድድር ሓሉ’ ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓውና ያሲንን ሓብትና ሩትን ድሕሪ እቲ መደረ መርዓኦም ፍሽሕ ይብሉ።

    ሓዳር ብጽቡቕ እኳ እንተ ጀመረ፡ እንታይ ጸገማት እዩ ኼጋጥም ዚኽእል፧

  • ‘‘ብተጻዋርነት ጕየ’—ስርዓት እቲ ውድድር ሓሉ’ ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓውና ያሲንን ሓብትና ሩትን ህድእ ኢሎም ብዛዕባ ጸገማቶም ይመያየጡ። እተቐልዐ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰደቓ ኣሎ።

    ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ፍቕሪ ኣብ ዘይብሉ ሓዳር ከም ዘለዉ ዚስምዖም መጻምድቲ ዚጠቕሞም ብኸመይ እዩ፧

  • ‘‘ብተጻዋርነት ጕየ’—ስርዓት እቲ ውድድር ሓሉ’ ኻብ ዘርእስታ ቪድዮ እተወስደ። ሓውና ያሲን ንሰበይቱን ንኽልተ ደቁን ‘ካብ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት’ የንብበለን።

    ሓዳርካ ዜሐጕስ ምእንቲ ኪኸውን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ሓሉ

    የሆዋ ንሓዳር ዚኸውን እንታይ ስርዓታት እዩ ሂቡ፧

  • ሓዳር ዕዉት ምእንቲ ኪኸውን፡ ክልቲኦም መጻምድቲ እንታይ ኪገብሩ ኣለዎም፧

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ