ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • w13 1/9 ገጽ 16
  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ሓዳር እንታይ ይብል፧
    መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ
  • ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧
    ብስራት ኣምላኽ
  • ንሓዳርካ ሓልዎ
    ክርስትያናዊ ህይወትናን ኣገልግሎትናን—ደብተር ኣኼባ—2021
  • መውስቦ—ካብ ኣምላኽ እተዋህበ ውህበት
    ኣብ ፍቕሪ ኣምላኽ ብኸመይ ትጸንዕ፧
ዝያዳ ርአ
መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2013
w13 1/9 ገጽ 16

መልሲ ሕቶታት መጽሓፍ ቅዱስ

ኣብ ሓዳር፡ ሓጐስ ኪሰፍን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧

እቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዜሐጕስ ሓዳር ንኽንሃንጽ ዚህበና ምኽሪ ይዓዪ እዩ። ከመይሲ፡ ምንጩ፡ እቲ መስራቲ መውስቦ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ፡ ንሓዳር ዜሐጕስ ንኽንገብሮ ኺሕግዘና ዚኽእል ባህርያት ከነማዕብል ይምህረና፡ ንሓዳር ኬፍርስ ዚኽእል ባህርያት ከነውግድ ድማ ይመኽረና እዩ። ብዘይካዚ፡ ኣብ ሓዳር፡ ሓጐስ ኬስፍን ዚኽእል ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ ክእለት ከነማዕብል እውን ይምህረና እዩ።—ቈሎሴ 3:8-10, 12-14 ኣንብብ።

ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪከባበሩ ይግባእ። ክልቲኦም ነቲ ብኣምላኽ እተዋህቦም ግደ እንተ ተቐቢሎምዎ፡ ሕጉሳት ኪዀኑ ይኽእሉ እዮም።—ቈሎሴ 3:18, 19 ኣንብብ።

ንሓዳር ነባሪ ዚገብሮ እንታይ እዩ፧

ሰብ ሓዳር ንሓድሕዶም ዚፋቐሩ እንተ ዀይኖም፡ ከይተፈላለዩ ኺነብሩ ይኽእሉ እዮም። ኣምላኽ ብኸመይ ክንፋቐር ከም ዘሎና ይምህረና እዩ። ንሱን ወዱ የሱስ ክርስቶስን ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ብምርኣይ ፍጹም ኣብነት ገዲፎምልና እዮም።—1 ዮሃንስ 4:7, 8, 19 ኣንብብ።

ሰብ ሓዳር፡ ንመውስቦ፡ ስርዓት ኣምላኽ ከም ዝዀነ ገይሮም ብምርኣይ ዜኽብርዎ እንተ ዀይኖም፡ ብሓንሳእ ጸኒዖም ኪነብሩ እዮም። ኣምላኽ ንመወስቦ ነባሪ ዀይኑ ኪቕጽል እዩ መስሪትዎ። ነዚ ዚገበረሉ ምኽንያት ከኣ፡ ስድራ ቤታት ብቕሳነት ንኺነብራ ኢሉ እዩ። ንሰብኡትን ኣንስትን ብኣካላውን ብስምዒታውን መገዲ ተደጋጊፎም ኪነብሩ ኢሉ ስለ ዝፈጠሮም፡ መውስቦ ነባሪ ዀይኑ ኪቕጽል ይኽእል እዩ። ብዘይካዚ፡ ብመልክዑ፡ ማለት ፍቕሩ ኼንጸባርቑ ብዚኽእልሉ መገዲ እዩ ፈጢርዎም።—ዘፍጥረት 1:27፣ 2:18, 24 ኣንብብ።

ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ፡ ኣብ ምዕራፍ 14 እዛ ብናይ የሆዋ መሰኻኽር እተሓትመት መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ እንታይ እዩ ዚምህር፧ ዘርእስታ መጽሓፍ ርአ።

ካብ www.pr418.com ከተራግፎ ትኽእል ኢኻ

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2025 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ