ትምህርቲ 9
ስድራ ቤትካ ሕጕስቲ ኽትከውን እትኽእል ብኸመይ እያ፧
1. ሕጕስቲ ስድራ ቤት ንምምስራት፡ መውስቦ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
እቲ ብስራት ዝመጸ፡ ካብቲ እቲ ስድራ ቤታት ሕጉሳት ኪዀና ዚደሊ ሕጉስ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ እዩ። (1 ጢሞቴዎስ 1:11) መውስቦ ዝመስረተ እውን ንሱ እዩ። ሕጋዊ መውስቦ፡ ቈልዑ ንምዕባይ ዚኸውን ባህ ዜብል ሃዋህው ከም ዚህሉ ስለ ዚገብር፡ ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣገዳሲ እዩ። ክርስትያናት ንመውስቦ ብዚምልከት ኣብ ሃሃገሮም ዘሎ ሕጊ ኬኽብሩ ኣለዎም።—ሉቃስ 2:1, 4, 5 ኣንብብ።
ኣምላኽ ንመውስቦ ብኸመይ እዩ ዚርእዮ፧ ኣብ መንጎ ሰብኣይን ሰበይትን ነባሪ ጥምረት ኪህሉ እዩ ዚደሊ። የሆዋ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም እሙናት ኪዀኑ እዩ ዚደሊ። (እብራውያን 13:4) ፍትሕ ይጸልእ እዩ። (ሚልክያስ 2:16) ይኹን እምበር፡ የሆዋ ንክርስትያናት፡ መጻምድቶም እንተ ዘምዩ፡ ኪፋትሑን ዳግም ኪምርዓዉን ይፈቕደሎም እዩ።—ማቴዎስ 19:3-6, 9 ኣንብብ።
2. ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪተሓላለዩ ዘለዎም ብኸመይ እዮም፧
የሆዋ ንሰብኣይን ንሰበይትን፡ ኣብ ሓዳር ንሓድሕዶም ኪደጋገፉ ኢሉ እዩ ፈጢርዎም። (ዘፍጥረት 2:18) ሰብኣይ ርእሲ ስድራ ቤት ከም ምዃኑ መጠን፡ ንስድራ ቤቱ ዜድልዮም ስጋዊ ነገራት ናይ ምምላእን ብዛዕባ ኣምላኽ ናይ ምምሃርን ቀንዲ ሓላፍነት ኣለዎ። ንሰበይቱ ጥቕሚ ርእሳ እትስውእ ፍቕሪ ኼርእያ ኣለዎ። ሰብኣይን ሰበይትን ንሓድሕዶም ኪፋቐሩን ኪከባበሩን ኣለዎም። ኵሎም ሰብኡትን ኣንስትን ዘይፍጹማት ስለ ዝዀኑ፡ ይቕረ ምብህሃል ንሓጐስ ስድራ ቤት ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ።—ኤፌሶን 4:31, 32፣ 5:22-25, 33፣ 1 ጴጥሮስ 3:7 ኣንብብ።
3. ብሓዳርካ ሕጉስ እንተ ዘይኴንካ፡ ክትፈላለ ድዩ ዘሎካ፧
ኣብ መንጎኻን ኣብ መንጎ መጻምድትኻን ጸገም እንተ ኣጋጢሙ፡ ብፍቕሪ ኽትፈትሕዎ ጽዓሩ። (1 ቈረንቶስ 13:4, 5) ቃል ኣምላኽ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ነቲ ኣብ ሓዳሮም ዘጋጠሞም ጸገም ንምፍታሕ ኪፈላለዩ ኸም ዘለዎም ኣይመክርን እዩ።—1 ቈረንቶስ 7:10-13 ኣንብብ።
4. ኣቱም ውሉዳት፡ ኣምላኽ እንታይ ክትኰኑ እዩ ዚደልየኩም፧
የሆዋ ሕጉሳት ክትኰኑ እዩ ዚደሊ። ብግዜ ንእስነትኩም ሕጉሳት ዚገብረኩም ዝበለጸ ምኽሪ ሂቡኩም ኣሎ። ካብ ጥበብን ተመክሮን ወለድኹም ጥቕሚ ኽትረኽቡ ይደሊ እዩ። (ቈሎሴ 3:20) ብዘይካዚ፡ ንዕኡን ንወዱን ብምግልጋል ክትሕጐሱ ይደልየኩም እዩ።—መክብብ 11:9–12:1፣ ማቴዎስ 19:13-15፣ 21:15, 16 ኣንብብ።
5. ኣቱም ወለዲ፡ ውሉዳትኩም ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ እንታይ ክትገብሩ ኣሎኩም፧
ንደቅኹም ምግብን ቤትን ክዳንን ምእንቲ ኸተማልኡሎም፡ ኣበርቲዕኩም ክትዓይዩ ኣሎኩም። (1 ጢሞቴዎስ 5:8) ይኹን እምበር፡ ደቅኹም ሕጉሳት ምእንቲ ኪዀኑ፡ ንኣምላኽ ኬፍቅርዎን ካብኡ ኺምሃሩን ከተሰልጥንዎም ኣሎኩም። (ኤፌሶን 6:4) እታ ንኣምላኽ ዘላትኩም ፍቕሪ፡ ንልቢ ውሉዳትኩም ኣጸቢቓ ኽትጸልዎ ትኽእል እያ። መምርሒታትኩም ኣብ ቃል ኣምላኽ እተመርኰሰ እንተ ዀይኑ፡ ንኣተሓሳስባ ውሉዳትኩም ብኣወንታዊ መገዲ ኪቐርጾ ይኽእል እዩ።—ዘዳግም 6:4-7፣ ምሳሌ 22:6 ኣንብብ።
ንደቅኹም ተተባብዕዎምን ትንእድዎምን እንተ ዄንኩም፡ ኪጥቀሙ እዮም። ኣብ ርእሲኡ እውን፡ ክትእርምዎምን ክትቀጽዕዎምን ኣሎኩም። ከምዚ ዝኣመሰለ ስልጠና፡ ካብቲ ሓጐሶም ኬጥፍኣሎም ዚኽእል ጠባይ እዩ ዜዕቍቦም። (ምሳሌ 22:15) ይኹን እምበር፡ ብጭካነ ኽትቀጽዕዎም የብልኩምን።—ቈሎሴ 3:21 ኣንብብ።
ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብፍላይ ንወለድን ንሕጻናትን ተባሂሉ እተዳለወ ሓያሎ መጻሕፍቲ ይሓትሙ እዮም። እዚ መጻሕፍቲ እዚ፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ እተመስረተ እዩ።—መዝሙር 19:7, 11 ኣንብብ።